ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ሓለዋ/ዕቝባ

ገለ ሓተትቲ ዕቝባ ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት እንተዘይረኸቡ እኳ፡ "ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ" ግን ይረኽቡ እዮም።

ኣብ ቤልጂዩም ዕቝባ ንኽወሃበኩም ኣብ እተመልክቱሉ እዋን፡ ትካል CGVS/CGRA ናይ ዕቑብ ስደተኛ ኵነተ-ሃለዋትንኸየጽድቐልኩም ክውስን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ትካል CGVS/CGRA ካልእ ዓይነት ዕቝባ/ውሕስነት ንኽህበኩም ተኽእሎ ኣሎ። "ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ"

ስለምንታይ? ምኽንያቱ፡ መምዘኒታት ናይ ስምምዕ ጀኔቫ ዘይተማልኡ እኳ እንተዀንኩም፡ ናብ ሃገርኩም ምስእትምለሱ ከቢድ ጸገም ከጋጥመኩም እዩ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ድማ ሃገርኩም ኣብ ኲናት ስለዘላ ወይ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ድዩስ መግረፍቲ ከጋጥመኩም ተኽእሎ ስለ ዘሎ እዩ።

ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ምስዝጸድቀልኩም፡ ን ሓደ ዓመትዘገልግል ፍቓድ ነባርነት ይወሃበኩም። ድሕር`ዚ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ወረቐት ፍቓድ እዚ ንኽልተ ዓመታት ከሐድሶ ይኽእል። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ተጠቃሚ ናይ`ዚ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ መሰል ዕቝባ ዝዀነ ሰብ፡ ደረት ግዜ ዘይብሉ ፍቓድ ነባርነት ክረክብ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ መስርሕ እዚ እውን ብምምሕዳር ከተማ እዩ ዝሰላሰል።

ኣብ ሃገርኩም ዝጸንሐ ኵነታት (ኲናት) ተቐዪሩ ኣብኡ ዝዀነ ይኹን ተኽእሎ ሓደጋ ምስዘይህሉ፡ ትካል CGVS/CGRA ሂቡኩም ንዝጸንሐ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ክስሕቦ ይኽእል እዩ።

መብርሂ ንምርካብ ን ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳይኩም ወይ ን ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ተወከሱ። ኣብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ናይ CGVS/CGRA እውን ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፥