ምልክታኻ ኣበይ ኢኻ እትምዝገብ?
- ኣብ በልጅዩም እንተደኣ ሃሊኻ፡ ኣብ ብራስልስ፣ ኣብ ማእከል መቐበሊ (ናብታ ሃገር ካብ እትበጽሕ 8 መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ ግዜ)
- ኣብ ዶብ በልጅዩም እንተድኣ ሃሊኻ፡ ምስ ፖሊስ
- ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ማእከል መቀየዲ እንተድኣ ተኣሲርካ፥ ምስ ዳይረክተር ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ወይ መቀየዲ።
ን ዕቝባ, ዝምልከት መመልከቲ ከተቕርቡ ምስእትደልዩ፡ እቲ መጀመርያ ክትገብርዎ ዝግባእ መመልከቲኹም ከምዝምዝገብ ምግባር እዩ።
ምልክታኻ ኣበይ ኢኻ እትምዝገብ?
[ 1]እቲ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ንናይዓለምለኻዊ ዕቝባ ዝቐርብ ምልክታ ንምምዝጋብ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል መንግስቲ እዩ።
ኣየኖት ሰነዳት እዮም ዘድልዩኻ?
መንነትካ ዘረጋግጽ ዝዀነ ይኹን ሰነድ። ን ናይ ዓለምለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ኽትምዝገብ ከለኻ ናብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ከተምጽኦም ኣሎካ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ዕቝባ ኽትረክብ ከም እትኽእል ንምርግጋጽ ንዅሉ እቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ሰነዳት ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ዝዀነ ይኹን ሰነድ እንተ ዘይብልካ ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ ።