ምዝገባ ናይ`ቲ እተቕርብዎ መመልከቲ

ቤት-ጽሕፈት ኤሚግሬሽን ነቲ ን ኣህጉራዊ ሓለዋዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲ ይምዝግቦ።

መመልከቲኹም እተመዝግቡሉ ቦታ ኣበይ እዩ?

ኣብ ውሽጢ ክሊ ግዝኣት ቤልጂዩም እንተሃሊኹም፡ ናብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን (ኣብ ብራስለስ ዝርከብ) ብምኻድ፡ ኣብ ቤልጂዩም ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት (ወይ ዕቝባ) ክወሃበኩም ከምእትደልዩ ሓብርዎም። 

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዉ መዓልትታት ክፉት እዩ። ሰዓት 8፡30 ቅ.ቀ. (ናይ ንጕሆ) ኣብኡ ክትርከቡ ይግባእ።


ኣድራሻ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፦ Avenue Pacheco 44, 1000 Brussels

ምዝገባ፥ ሕቶታት ብዛዕባ መንነትኩምን ኣሰር ኣጻብዕትኹምን

  • ሓደ በዓል ስልጣን ካብ ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን፡ መንነትኩም ንምፍላጥ፡ ስምኩም፡ ቦታን ዕለትን ልደትኩም፡ ክትርከብሉ እትኽእሉ ኣድራሻኹም፡ ወዘት፡ ኣመልኪቱ ክሓተኩም እዩ።
  • ሓደ በዓል ስልጣን ናይ ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን፡ ክስእለኩምን ኣሰር ኣጻብዕትኹም ክወስድን እዩ
  • ብዛዕባ መንነትኩም መረጋገጺ ዝህቡ ዘበሉ ኵላቶም ሰነዳት ከተቕርቡ እውን ይግባእ።
  • ኣብ እዋን'ቲ ምዝገባ፡ ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን፡ ኣብ መስርሕ ጉዳይኩም ኣየናይ ቋንቋ ክጥቀም ከምዘለዎ ክውስን እዩ (ቋንቋ ፈረንሳ ወይ ዳች)

መቐበሊ ቦታ 

ድሕሪ ምምዝጋብኩም፡ ፌዳሲልl፡ ምስ ማእከል ምቕባል መጻእተኛታት ብምትሕብባር፡ ኣብኡ መቐበሊ ቦታ ንኽወሃበኩም መሰል ከምዘለኩምን ከምዘይብልኩምን ክፍትሽ እዩ። ኣብ መቐበሊ ቦታ ንኽትኣትዉ መሰል እንተድኣ ረኺብኩም፡ መርመራ ናይ ዕቝባ መመልከቲኹም እናተኻየደ እንከሎ፡ ትካል ፌዳሲል፡ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ክህበኩም እዩ።