መሰነይታ ንዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት ዝምልከት መስርሕ ሕቶ ዕቝባ

ንስኻ/ኺ ትሕቲ ዕድመ ዲኻ - ከምኡ'ውን ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽውሃበካ ኣመልኪትካ'ዶ ኣለኻ? ንናትኩም መስርሕ ሕቶ ዕቝባ ብዝምልከት፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ CGRS (CGRA/CGVS) ን መመልከቲኻ ኻብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ክቕበል እዩ። እቲ CGRS ነቲ መመልከቲ ዕቝባኻ  ብመሰረት ቃለ-መጠይቕ ክምርምሮ እዩ። ኣብ እዋን እቲ ቓለ-መጠይቕ ንበልጅዩም ዕቝባ ኽትህበካ እትሓትተሉ ዘለኻ ምኽንያት እትገልጸሉ ኣጋጣሚ ኽትረክብ ኢኻ።

ነቲ ቓለ-መጠይቕ ምድላው

ንስኻ፣ናትካመጉዚት ከምኡውን ናትካ ጠበቓ ዕድመ ናይ ቃለ-መጠይቕ ክትቅበሉ ኢኹም። ንስኻን መጉዚትካን ኣብቲ ቓለ-መጠይቕ ክትርከቡ ኣሎኩም። ጠበቓኻ መታን ኺሕግዘካ እንተሃለወ እውን ዝሓሸ እዩ።

ቅድሚ እቲ ቓለ መጠይቕ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ሓበሬታን ሰነዳትን፣ ብዛዕባ

  • መንነትካን ዕድመኻን
  • ጕዕዞኻ ናብ በልጅዩም
  • ዝሃደምካሉ ምኽንያት
  • ክከውን ዝኽእል ካብ ቦታ መንበሪ ስድራኻ

ከምዝኣከብካ ርግጸኛ ኹን።

እቲ CGRS እዚ ሓበሬታ እዚ ንመመልከቲካ ብእተኻእለ መጠን ብዘይ ጸገም ንከኽይዶ ዘድልዮ እዩ። መጉዚትካ ጠበቓኻን ነዚ ሓበሬታ እዚ ንኽትእክብ ኪሕግዙኻ እዮም።

ቓለ-መጠይቕ ንኡሳት

እቲ ቓለ-መጠይቕ ብኸመይ እዩ ዚቕጽል፧

እቲ ቓለ-መጠይቕ ኣብቲ ኣብ ብራስልስ ዝርከብ CGRS ህንጻ ኽካየድ እዩ። ካብ CGRS ዝተልኣኸ መኮንን ዕቝባ ቃለ-መጠይቕ ኪገብረልካ እዩ። እቲ መኮንን ዕቝባ ንቘልዑ ቓለ-መጠይቕ ናይ ምግባር ተመክሮ ኣለዎ ንታሪኽካ ድማ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቓላት ብንጹር ንኽትነግሮ ኺሕግዘካ እዩ።

ገና ትሕቲ ዕድመ ስለ ዝዀንካ፣ እቲ CGRS መልሲ ናይ ዅሉ ሕቶታት ክትፈልጥ ኣይጽበየካን እዩ።

ኣብ ክንዲ እትሕስው ወይ ሓደ ነገር ኣብ ክንዲ እትገብር፣ ሓደ ነገር ኣይፈልጥን እየ ምባል ዝሓሸ እዩ ።

ቋንቋ ዳች ወይ ፈረንሳይኛ ዘይትዛረብ እንተ ኾይንካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ ተርጓሚ። እቲ ተርጓሚ ንስኻን እቲ ሓላፊ ዕቝባን ንሓድሕድኩም ክትረዳድኡ ኸም እትኽእሉ የረጋግጽ።

ሓደ እትኣምኖ ሰብ ናብቲ ቓለ-መጠይቕ ኬሰንየካ እውን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ እትኣምኖ ዓቢ ሰብ እዩ፣ ንኣብነት ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም፣ መምህር ወይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ።

እቲ CGRS ብዘይካዚ ንሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ንኣብነት ንሓውካ ወይ ሓትኖኻ ኵነታትካ ንኼነጽር ናብቲ ቓለ መጠይቕ ኪዕድሞ ይኽእል እዩ።

እቲ መርመራ

ደድሕሪ እቲ ቓለ-መጠይቕ እቲ ሓላፊ ዕቝባ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ እተቕርቦ መመልከቲ ኺምርምሮ እዩ።

ንሱ ወይ ንሳ ንእተፈላለየ መዳያት ኪርኢ እዩ፡

  • ንታሪኽካ ዘተኣማምኖ
  • ዝኣከብካዮ ሰነዳት ታሪኻ
  • እቲ ኩነታት ኣብ መበቆል ሃገርካ ወይ እታ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር

እቲ CGRS ብዛዕባ ዕድሜኻ፣ ኣተዓባብያን ኣብ ግምት ኬእቱ ዜድልዮ ነገራትን።

ድሕሪ እቲ መርመራ CGRS ደብዳበ ናይ ዉሳኒኡ ክልእኸልካ እዩ። እቲ መጉዝትካን ጠበቓኻን እውን ተመሳሳሊ ደብዳበ ኺቕበሉ እዩም።