ኵነተ-ሃለዋት ናይ ዕቑብ ስደተኛ

ኵነተ-ሃለዋት/መሰል ናይ ዕቑብ ስደተኛ ዝጸደቐሎም፡ ማለት ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት ኣብ ቤልጂዩም ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ካብ መንግስቲ ቤልጂዩም ዕቝባ ክትረኽቡ ይግባእ ዶ ኣይግባእን ዝውስን ኣካል፡ ትካል CGVS/CGRA እዩ። እንተ ደኣ ኵነተ-ሃለዋት ናይ ዕቑብ ስደተኛ ጸዲቑልኩም፡ ኣብ ቤልጂዩም ን 5 ዓመታት ክትጸንሑ ትኽእሉ ኢኹም። ድሕር`ዞም 5 ዓመታት፡ ዘይውሱን መሰል ነባርነት እዩ ዘለኩም።

ትካል CGVS/CGRA ብመንጽር`ቲ ንዕቑባት ስደተኛታት ዝምልከት ስምምዕ ጀኔቫ ውሳኔኡ ይህብ። እቲ ካብ ትካል CGVS/CGRA ዝከኣኸልኩም ደብዳቤ፡ ስለምንታይ ኵነተ-ሃለዋት ናይ ዕቑብ ስደተኛ ከምዝጸደቐልኩም ዝጠቅስ ትሕዝቶ ኣለዎ።

ንዕቑባት ስደተኛታት ካብ ናይ ዜጋታት ቤልጂዩም ዘይፍለዩ መሰላትን ግዜታታትን እዮም ዘለውዎም። ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ ኰነ ማሕበራዊ ደገፍ ንኽግበረሎም ከመልከቱ ይኽእሉ እዮም። መብርሂ ንምርካብ ን ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳይኩም ወይ ን ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ተወከሱ። ኣብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ናይ CGVS/CGRA እውን ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ዕቑባት ስደተኛታት ናብ ናይ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ኣይክእሉን እዮም።

ገለ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ መመልከቲ ዘቕርቡ ሰባት ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ኣይረኽቡን፤ ግና 'ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ'ይጸድቀሎም።