ካብ ተርጓሚ ሓገዝ ምሕታት

ሓተትቲ ዕቝባ ሓገዝ ናይ ዝርርባዊ ተርጓሚ ክረኽቡ ዝከኣል እዩ። እዞም ናይ ቋንቋ ሞያውያን፡ ንሓበሬታ ናብ`ቲ ዝምልከቶ ሓታቲ ዕቝባ ዝሰምዖ ቋንቋ ይትርጕምዎ።

ናይ ዝርርብ ተርጓሚ ይትርጉም

ቋንቋ ፈረንሳ ወይ ዳች ዘይትሰምዑ እንተዄንኩም፡ ብመገዲ ናይ ዝርርብ ተርጓሚሓገዝ ንኽግበረኩም ሕቶ ከተቕርቡ ዝከኣል እዩ፦ ቋንቋኹም ድዩስ ካልእ ንስኹም ክትርድእዎ እትኽእሉ ቋንቋ ዝመልኽ ሰብ።

ናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳይት ናይ ዝርርብ ተርጓሚ ከ(ተ)ናድየልኩም እዩ/ያ። ናይ ዝርርብ ተርጓሚ ናብ`ቲ ዘለኹሞ መቐበሊ ቦታ ብኣካል ብምምጻእ ወይ ብመገዲ ተሌፎን ድዩስ ኢንተርነት ረኺቡ ይትርጉመልኩም። ንናይ ዝርርብ ተርጓሚ እትኸፍልዎ ገንዘብ የልቦን። ናትኩም ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳይት ናይ ዝርርብ ተርጓሚ ክረክብ እንተዘይክኢሉ፡ ካብ ካልእ ተቐማጢ ወይ ኣባል ዝዀነ ሰራሕተኛ ሓገዝ ናይ ትርጉም ክሓትት ዝከኣል እዩ።