ካብ ክሊ ልኡላዊ መሬት ቤልጅዩም ንምውጻእ ብዝምልከት ዝወሃብ ሕጋዊ ትእዛዝ

እቲ ንኣህጉራዊ ሓለዋ ብዝምልከት ዘቕረብኩሞ መመልከቲ እንተተነጺጉ፡ ካብ ክሊ ልኡላዊ መሬት ቤልጂዩም ንኽትወጹ ሕጋዊ ትእዛዝ ክወሃበኩም እዩ። ካብ ቤልጂዩም ክትወጹ ይግባእ።

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ነዚ ካብ ክሊ ልኡላዊ መሬት ቤልጂዩም ንምውጻእ ዝምልከት ሕጋዊ ትእዛዝ (BGV/OQT) እዚ ብመገዲ ምዝጉብ ፖስታ ወይ ብሰራሕተኛ ኣባሉ ገይሩ እዩ ዝልእከልኩም። ምምሕዳር ከተማ መጸዋዕታ ናይ ቀዳማይ ቈጸራ ክሰደልኩም እዩ። ናብ`ዚ ቈጸራ እዚ መንነት ዘለልዩ ሰነዳትኩምን 3 ናይ ፓስፖርት ኣሳእልን ሒዝኩም ቅረቡ።

መዓስ እዩ ካብ ቤልጂዩም ክትወጹ ዝግብኣኩም?

ትካል BGV/OQT ካብ ካብ ክሊ ልኡላዊ መሬት ቤልጂዩም ክትወጽኡሉ ዝግባእ ገለ ገደብ ግዜ ክጠቅስ እዩ። ምምሕዳር ከተማ መጸዋዕታ ናይ ካልኣይ ቈጸራ ክሰደልኩም እዩ። ኣብ`ዚ ካልኣይ ቈጸራ እዚ፡ ብዛዕባ ን ወለንታዊ ምምላስ ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ብዝምልከት ከመይ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ወሲድኩም ከምዘለኹም መብርሂ ንኽትህቡ ክትግደዱ ኢኹም። 

መጸዋዕታታት ናይ ምምሕዳር ከተማ ምስዘይተኽብሩ ኸ?

ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ ዘለኹሞ ኣድራሻ ክምርምር/ክፍትሽ እዩ። ቈጸራኹም ኣኽቢርኩም ዘይምምጻእኩም፡ ክትስወሩ/ክትሕብኡ ትፍትኑ ከይትህልዉ ዘጠርጥር ረቛሒ ክኸውን እዩ። ንገዛእ-ርእስኹም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናብ ምእታው ተቃልዕዋ ኣለኹም ማለት እዩ።

ኣብ ውሽጢ ዝተሓበረኩም እዋን ካብ ቤልጂዩም ምስዘይትወጹ

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ፡ ኣብ ገለ ኵነታት፡ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ከምእትጸንሑ ብምግባር፡ ብመልክዕ ግዱድ ምስጓጕ ካብ ክሊ ልኡላዊ መሬት ቤልጂዩም ከምእትወጹ ክገብር ይኽእል እዩ።

እቲ ካብ ቤልጂዩም ክትወጽኡሉ ዝግባእ እዋን ምስሓለፈ፡ ኣባላት ፖሊስ ብኣድራሻኹም ተመሪሖም ናብ ቦታኹም ብምምጻእ ምኻድኩምን ዘይምኻድኩምን ብኣካል ከረጋግጹ እዮም። እዚ መስርሕ እዚ `ናይ ኣድራሻ ተፍትሽ` ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣባላት ፖሊስ ናብ ውሽጢ ገዛኹም ኽኣትዉሎም ዝኽእሉ ምኽንያታት፦

  • ንኽፍትሹ ግዴታዊ ምስዝኸውን፡ ወይ
  • ንኽኣትዉ ፍቓድ ምስእትህብዎም

ኣብ ውሽጢ እዚ ካብ ቤልጂዩም ክትወጽኡሉ ዝግባእ እዋን ክትብገሱ ምስዘይትኽእሉ

ኣብ ገለ ፍሉያት ኵነታት፡ እዚ ካብ ቤልጂዩም ክትወጽኡሉ ዝግባእ እዋን ንኽናውሓልኩም ሕቶ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም፤ ንኣብነት፡ ካብ ቤልጂዩም ብወለንታኹም ንኸይትወጹ ክሳብ እትጽገሙ ኣዚኹም ምስእትሓሙ

ንመስርሕ ወለንታዊ ምምላስ ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ከም ዝድለ ንኽትውድብዎ እውን፡ እቲ ክትወጽኡሉ ዝግባእ እዋን ንኽናውሓልኩም ሕቶ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣንጻር BGV/OQT ይግባይ ምባል

ኣንጻር ዝወሃበኩም ውሳኔ ናብ ትካል RvV/CCE ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ መስርሕ ይግባይ እዚ ከይተዛዘመ እንከሎ፡ ካብ ልኡላዊ ክሊ መሬት ቤልጂዩም ከምእትወጹ ክግበር ዝከኣል ኣይኰነን። ነዚ መስርሕ ይግባይ እዚ ከይጀመርኩሞ እንከለኹም ስነ-ሕጋዊ ምኽሪ ንምርካብ ነቲ ዝውክለኩም ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ተወከሱ።