ኣማራጺታት ናይ ዝተናውሐ መስርሕ ምቕባል ከምኡ'ውን ምምላስ ወጻእተኛ

ኣሉታዊ መልሲ ዝተዋህቦም ሓተትቲ ዕቝባ፡ ገና ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ን 30 መዓልትታት ናይ ምጽናሕ ዕድል ኣለዎም። እዞም መዓልትታት እዚኣቶም፡ ዝምልከቶም ሓተትቲ ዕቝባ ካብ ቤልጂዩም ንምንቃል ንኽዳለዉ ተባሂሎም ዝወሃቡ እዮም።

ኣሉታዊ መልሲ ናይ ሕቶ ዕቝባ ተዋሂቡኩም ካብ ቤልጂዩም ንኽትወጹ ምስእትግደዱ፡ ትካል ፌዳሲል ናብ ሃገርኩም ንምምላስ ብዝምልከት ሓበሬታ ክትረኽቡሉ ናብ እትኽእሉ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ንኽትከዱ ዕድመ ከቕርበልኩም እዩ። እዚ ናይ ትካል ፌዳሲል ማእከል እዚ እቲ ቀጺልኩም ከም ኣጋይሽ ክንክንን ሓገዝን እትረኽቡሉ እትኽእሉ እንኮ ቦታ እዩ።

30 መዓልትታት

መስርሕ ምቕባል ኣጋይሽ ኣብ'ዚ ናይ ፌዳሲል ማእከል ን 30 መዓልትታት እዩ ዝጸንሕ። እዚ ማእከል እዚ ናጻ ኰይኑ ብዝደለኹሞ መጠን ክትኣትዉ ኰነ ክትወጹ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ'ዚ ማእከል፡ ሓላፊ ናይ ፌዳሲል ን ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛ ፡ ማለት ናብ ሃገርኩም፡ ብዝምልከት ዘድልየኩም ዘበለ ሓበሬታ ክህበኩም እዩ። ብዛዕባ ትካል ፌዳሲል ናብ ሃገርኩም ንኽትምለሱ ከመይ ገይሩ ክሕግዘኩም ከምዝኽእል መብርሂ ክህቡኹም እዮም።

ናብ ሃገርኩም ንኽትምለሱ ምስእትመርጹ፡ ክሳብ ናይ መወዳእታ እዋን ሓሳብኩም ቀዪርኩም ንኽትጸንሑ ክትውስኑ ዕድል ኣለኩም። ናብ ሃገርኩም ንኽትምለሱ ምስእትመርጹ፡ ክሳብ ግዜ ንቕሎኹም ኣብ'ቲ ማእከል ክትጸንሑ ኢኹም።

ኣብ'ቲ ማእከል፡ ንጉዳይኩም ዝከታተል ወኪል ናይ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝዀነ ሓላፊ ኣሎ። ኣብ'ቲ ማእከል ን 30 መዓልትታት ምስጸናሕኩም፡ ብወለንታ ምምላስ ኣቢኹም ካብ'ቲ ማእከል ምስዘይትወጹ፡ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ካብ ቤልጂዩም ንኽትወጹ ከገድደኩም ይኽእል እዩ (ግዱድ ምምላስ ስደተኛ)።