መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት/ህጻናት ኣብ ቤልጅዩም

ናብ ቤልጅዩም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት/ህጻናት ኴንኩም ዲኹም መጺእኩም? ርእስኹም ክኢልኩም ክትነብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣብ`ዚ፡ ክሕግዙኹም ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣለዉ፦ ሕጋዊ/ት መጕዚትክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዝነጥፉ ተቘጻጸርቲ። ብዛዕባ መጻኢኹም ግቡእ ውሳኔ ንኽትወስዱ ይሕግዙኹምን ከምኡ ድማ ውሑስ ኣከባቢ ይፈጥሩልኩምን።

ኣብ ዝስዕብ ገጽ፡ ብዛዕባ ከም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት መጠን ከመይ ዝኣመሰለ ሓገዝ ከምዝወሃበኩም፡ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ኣብቤልጂዩም ዘለኩም ተኽእሎ ነባርነት ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም።

ከምኡ`ውን ብዛዕባ እቲ እትነብሩሉ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ከምኡ`ውን ምስኡ ዝተኣሳሰር ህይወት ናይ መነባብሮ፡ ትምህርቲ፡ ስራሕን ግዜ ዕረፍትን ወዘተ ተወሳኺ ሓበሬታ ነስንቐኩም።

ድሕር`ዚ እውን ገና ሕቶ ኣለኩም? ንዘለዉኹም ሕቶታት ናብ ሕጋዊ/ት መጕዚትኩም ወይ ኣብ እትነብሩሉ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ናብ ዝነጥፉ ተቘጻጸርቲ ኣቕርብዎም

ሓደጋ ኣንጸላልዩኩም ዶ ኣሎ እዩ? ናብ ናይ ፖሊስ ቍጽሪ ተሌፎን ህጹጽ ሓገዝ ደውሉ፦ 112 or 101