ሕጋዊ/ት መጕዚትኩም - ተጸዋዒ/ት ናትኩም

ኣብ ቤልጂዩም ወላዲ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት ዲኹም? ብዛዕባ ኵነታትኩም ፖሊስ ወይ ትካል ኣገልግሎት ጉዳይ ዕቝባ ን ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነትክሕብር እዩ። እዚ ወሃቢ ኣገልግሎት ዝዀነ ትካል እዚ፡ ንዓኹም ዝ(እት)ኸውን ሕጋዊ/ት መጕዚት ከናዲ እዩ።

ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ሕጋዊ/ት መጕዚት ክምድበልካ እዩ። መጕዚት ክበሃል እንከሎ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኰይኑ፡ ብዛዕባ መስርሕ ጉዳይካ፡ መንበሪ ቦታኻን መነባብሮ ናይ ቤልጂዩምን ዝመጸ ግቡእ ውሳኔ ንኽትወስድ ዝሕግዘካ እዩ። ሕጋዊ/ት መጕዚት ዝተፈላለዩ ዕማማት ኣለዎ/ዋ።

ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት፡ ስምን ዝርዝራዊ ሓበሬታን ናይ ሕጋዊ/ት መጕዚትካ ዝሓዘ ደብዳቤ ክህበካ እዩ። 

ነዚ ደብዳቤ እዚ ኩሉ ሳዕ ምሳኻ ሓዞ፤ ምኽንያቱ፡ ኣብ ነፍሲወክፍ ምስ ትካላት መንግስቲ ቤልጂዩም እትገብሮ ርክብ ከድልየካ እዩ። ንስምን ቍጽሪ ተሌፎንን ናይ ሕጋዊ/ት መጕዚትካ ኣብ ተንቃሳቓሲት ተሌፎንካ መዝግቦ።

መዓስ እዩ/ያ ሕጋዊ/ት መጕዚት ዝ(እት)ምደበልካ?

  • ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ምስዝኸውን (ትሕቲ-ዕድመ ምስ እትኸውን)።
  • ኣብ ቤልጂዩም ብዘይ ወላዲ ምስእትህሉ።
  • ካብ ኤውሮጳ ይኹን ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ካብ ዝዀነት ሃገር መጺእካ፡ ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ምስእትርከብ።
  • ዓዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽወሃበካ ዘመልከትካ ምስ እትኸውን ወይ ሰነድ ፍቓድ ነባርነትምስ ዘይህልወካ።

ኣገልግሎት ናይ ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት መዓስ እዩ ዘቋርጽ?

  • ወላዲትካ ወይ ወላዲኻ ኣብ ቤልጂዩም ምስዝህልዉ።
  • ዕድሜኻ 18 ዓመት ምስዝመልእ።
  • ካብ ቤልጂዩም ምስእትወጽእ።