ዕማማት ናይ ሕጋዊ መጕዚትኩም

ኣብ ቤልጂዩም ኣቦ ይኹን ኣደ ዘይብልኩም ወጻእተኛታት ትሕዝቲ-ዕድመ መእሰያት ወይ ህጻናት ምስእትዀኑ፡ ሕጋዊ/ት መጕዚትክ(ት)ምደበልኩም እዩ/ያ።

ሕጋዊ መጕዚትካ ወሰንቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዝተሓዘልካ ቈጸራ ይተሓጋገዘካ፤ ከምኡ`ውን ግቡእ ውሳኔ ክኽትወስድ ይድግፈካ።

  • ሕጋዊ መጕዚትካ ኣብ እትነብረሉ ቦታ ብምምጻእ ክበጽሓካ እዩ (እንተወሓደ ሓንሳብ ኣብ ወርሒ)።
  • ሕጋዊ መጕዚትካ ንዓኻ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን የዘራርበካን ንእተቕርበሉ ሕቶታት ክምልስ ይፍትንን። እዚ ድማ ብሓገዝ ናይ ዝርርባዊ ተርጓሚ እዩ ዝትግበር።
  • ሕጋዊ መጕዚትካ ምስ ትካላት ኣገልግሎት ዕቝባ ኣብ ዝህልወካ ቈጸራታት ንዓኻ ኣሰንዩ ይኸይድ፤ (ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽንCGVS/CGRARvV/CCE)።
  • ሕጋዊ መጕዚትካ መንበሪ ቦታ ንምርካብ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ይተሓጋገዘካ።
  • ሕጋዊ መጕዚትካ ምስ ክኢላ ስነ-ሕጊ ማለት ምስ ጠበቓ የራኽበካ። ብሓባር ብምዃን ድማ ብዛዕባ መስርሕ ጉዳይካ ምኽሪ ይህቡኻ።
  • ሕጋዊ መጕዚትካ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ምርካብ ኰነ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ምምዝጋብ ይሕግዘካ።
  • ሕጋዊ መጕዚትካ ኣብ ግዜ ሕማምካ ይሕግዘካ።
  • ሕጋዊ መጕዚትካ፡ ስድራ-ቤትካ ኣብ ምርካብ ይሕግዘካ።

ንመነባብሮ ሃገረ-ቤልጂዩም ብዝምልከት ሕቶታት ምስዝህልዉካ፡ ንሕጋዊ መጕዚትካ ተወከስ። ንሕጋዊ መጕዚትካ ብዛዕባ ኣብ ናይ መበቆል ሃገርካ ዝነበረካ ኵነታት ኰነ ናብ`ዚ ንኽትበጽሕ ብዛዕባ ዘሕለፍካዮ ተመኵሮ ኣዕልሎ/ላ። ከምኡ ምስእትገብር፡ ሕጋዊ መጕዚትካ ብዝሓሸ ክሕግዘካ ክኽእል እዩ።

ንሕጋዊ መጕዚት ብዝምልከት ዝዀነ ይኹን ሕቶ ኣለካ ዶ?

ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ሕጋዊ መጕዚትካ ግቡእ ስርሑ ይፍጽም ምህላዉን ዘይምህላዉን የረጋግጽ። ንዕማማት ናይ ሕጋዊ መጕዚትካ ብዝምልከት ገለ ሕቶ ምስዝህልወካ እውን ንትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ተወከስ ኢኻ።

ምስ ሕጋዊ መጕዚትካ ገለ ዘይምርድዳእ ኣጋጢሙካ ኣሎ ዶ? ብዛዕባ እቲ ዘሰሓሕበኩም ኵነታት ምስ ሕጋዊ መጕዚትካ ወይ ምስ ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያትካ ተዛራሪብካ ናይ ሓባር ፍታሕ ከተምጽእ ፈትን። ንዘጋጠመካ ግርጭት ባዕልኻ ክትፈትሖ ምስዘይትኽእል፡ ንትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ተወከስ ኢኻ።

ከቢድ ምስሕሓብ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ጉዳይካ ብፍርዳዊ መስርሕ ከምዝደቓቐስ ክግበር ተኽእሎ ኣሎ። ዳኛ፡ ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ካልእ መጕዚት ከምዝምድበልካ ክገብር ይኽእል እዩ።

ንዓኻ ዝኸውን መጕዚት ባዕልኻ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ዝውስን ኣካል፡ ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ባዕሉ ጥራይ እዩ።

ህጹጽ ሓገዝ የድልየካ ዶ፡ ወይ ሓደጋ ኣንጸላልዩካ ኣሎ ዶ፧

ናብ ናይ ፖሊስ ቍጽሪ ተሌፎን ህጹጽ ሓገዝ ደውል፦ 112 or 101።

 

ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ የድልየካ ዶ፧

ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት

Waterloolaan 115

1000 Brussels

ተሌ.፦ 078 15 43 24

ኢ-መይል፦ voogdij@just.fgov.be ወይ tutelles@just.fgov.be

 

What will a guardian do for you ?