ገንዘብ ዝኽፈሎ ስራሕን ንማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ዝግበር ገንዘባዊ ኣበርክቶን

ገንዘብ ዝኽፈሎ ስራሕ ረኺምኩም'ዶ ኣለኹም? እንቋዕ ሓጎሰኩም! ኣምሳያ እቲ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ እትቕመጥዎ ዘለኹም፡ ገለ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትገብሩ ክትግደዱ ተኽእሎ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ምስ ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳይያትኩም ተዛራረቡ።

ስራሕ ኣለኩም፤ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ወይ ኣብ ከባብያዊ ተበግሶኣዊ መቐበሊ ኣጋይሽ (CPAS/OCMW) ኢኹም ትቕመጡ

  • ። ትሰርሑ እንተዄንኩም፡ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ውዑልኩም፡ ናይ ስራሕ ሰዓታትኩምን ወርሓዊ ደሞዝ እትወስዱሉ ወረቐትኩም (ስሊፕኩም)ን ንኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያትኩም ክትሕብሩ ግዴታ ኣለኩም
  • ወርሓዊ ልዕሊ 265 ዩሮ ጽሩይ ኣታዊ እንተሃልዩኩም፡ ገለ ክፋል ወጻኢታት ናይ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ እናሸፈንኩም ክትቅመጡ ይግባእ። ኣብ ሕጊ ቤልጂዩም ከምኡ ዝብል ኣሎ።
ስራሕ ንዘለዎም ተቐማጦ ዝምልከቱ ሕጋጋት

ክንደይ ክትከፍሉ እዩ ዝግብኣኩም?

  • ፌዳሲል፡ ኣብ ስራሕ ከምእተዋፈርኩምን ከምዘይተዋፈርኩምን ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ይፍትሽ እዩ። ባዕልኹም ኣቐዲምኩም እንተዘይከፊልኩም፡ ኵነታት ስራሕኩም ምስተፈልጠ 50% ናይ ደሞዝኩም ክቝረጽ ግዴታዊ'ዩ።
  • ወርሓዊ ባዕልኹም ሓብሩ፣ መጠን ኣታዊኹም'ውን ኣፍልጡ እሞ ዝወሓደ ገንዘብ ክትከፍሉ ኢኹም። ክትከፍሉ ዝግባእ ገንዘብ ክንደይ ምዃኑ ክትፈልጡ ትደልዩ ዶ? ብ ቀማሪትጌርኩም ጸብጽብዎ።
  • ክትከፍሉ ፍቓደኛታት እንተዘይኴንኩም፡ ፌዳሲል ካብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ከውጽኣኩም'ዩ።
     
ብዛዕባ ገንዘብ ዝኽፈሎ ስራሕኩም እተፍልጡሉ ኣገባብ ከመይ ይመስል?

ብዛዕባ ገንዘብ ዝኽፈሎ ስራሕኩም ከመይ ጌርኩም ኢኹም እተፍልጡ?

ሓንቲ ወርሒ ሰሪሕኩም ምስዛዘምኩማ፡ ኣብ እትስዕብ ወርሒ ብዛዕባኣ ተፍልጡ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ናይ ወርሒ ሰነ ደሞዝኩም፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ተፍልጡ። 

ኣብ ፈለማ፡ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ከተመዝግቡ ይግባእ፦ ስምኩም፡ ዕለት ልደትኩም፡ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኹም፡ ከምኡ'ውን ሃገራዊ ቍጽርኹም (11 ኣሃዛት ዘለዎ).

ምስተመዝገብኩም፡ ነቲ ወርሓዊ ኣታዊኹም እተፍልጡሉ ቅጥዒ ትመልኡ፤ ማለት ናይ ዝቐደመት ወርሒ ተቘራጺ እተነከዮን ተቘራጺ ዘይተነከዮን መጠን ኣታዊኹም ብምጥቃስ

ኣታዊኹም ምስኣፍለጥኩም፡ ፌዳሲል፡ ክፍሊት ንኽትፍጽሙ ጠለብ ዘቕርብ ናይ ኢ-መይል መልእኽቲ ክሰደልኩም እዩ።

ስራሕ ኣለኩም፤ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ወይ ኣብ ከባብያዊ ተበግሶኣዊ መቐበሊ ኣጋይሽ ኢኹም ድማ ትቕመጡ

  • ። ካብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ባዕልኹም ወጺእኩም እትቕመጡሉ ቦታ ክትረኽቡ'ውን ትኽእሉ ኢኹም። ስራሕ እንተጀሚርኩም፡ ናብ ፌዳሲል እተረክብዎ ክፋል ደሞዝ ድማ ኣይህልወኩምን። ብዛዕባ'ዚ ምስ ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳይያትኩም ተዛራረቡ።
  • እኹል መጠን ኣታዊ እተውሕሱሉ ርጉእ ውዑል ስራሕ ምስረኸብኩም፡ ካብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ጠቕሊልኩም ክትወጹ ትእኽሉ ኢኹም። በዚ ምኽንያት፡ ትካል ፌዳሲል ነቲ ንዓኹም ዝምልከት ሕጊ-207 ደው ከብሎ ከድልዮ እዩ። ኣድላዪ እንተዀይኑ፡ ናብ OCMW/CPAS ኬድኩም ገንዘባዊ ሓገዝ ክግበረልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ'ዚ ምስ ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳይያትኩም ተዛራረቡ።
  • ናብ ናይ ውልቅኹም ቦታ ዶ ትግዕዙ ኣለኹም ኢኹም? ነቲ 'ናይ ምቕያር ኣድራሻ' ቅጥዒ ተጠቒምኩም፡ ንትካል ኣገልግሎት ዕቝባ ብዛዕባ ሓድሽ ኣድራሻኹም ሓብሩ ኢኹም።