ጭንቀታት ብሰንኪ ጸገማት ወይ ወጥርታት

ብሰንኪ ጭንቀታት፡ ቆይቅታትን ጸገማትን ኣብ ስድራቤት፡ ዘይሕጉሳት እንተኾይንኩም ክሕግዝኹም ዝክእሉ ኣገልግሎታት ኣለዉ። ብዛዕባ ጸገማትኩም ተዛረቡ።

ናይ ዝምድና ጸገማት ምስ መጻምድኹም ወይ ደቅኹም

እንተድኣ ምስ ደቅኹም ወይ መጻምድኹም ጸገማት ኣለውኹም ኮይኖም፡ ምስ ክሰምዓኩምን ክሕግዝ ዝፍትንን ኣማኻሪ ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ኣማኻሪ ናይ ሞያዊ ምስጢራውነት ግዴታ ዘለዎ እዩ፥ ንሱ ወይ ንሳ ብዘይ ፍቓድኩም ዝኾነ ሓበሬታ ኣየመሓላልፉን እዮም።

  • እንተድኣ ኣብ ፍላንደርስ ወይ ብራስለስ ትነብሩ ኾይንኩም፡ ንጸገማትኩም ምስቲ Centra voor Algemeen Welzijnswerk (CAW) (ማእከላት ንሓፈሻዊ ማሕበራዊ ስራሕ) ወይ ምስቲ Centra voor Integrale gezinszorg (CIG) (ማእከላት ንጥሙር ክንክን ስድራቤት) ክትዝትይሎም ትኽእሉ)።
  • ብእሙናት ሰባት ዝውሃቡ ኣገልግሎታት ኣብ ዋሎንያ እውን ኣለዉ። እቲ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ድዩስ ምስቤት-ጽሕፈት CPAS/OCMW ናይ ምምሕዳር ከተማ ዝነጥፍ ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳይኩም ቀጺሉ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

ገንዘባዊ ጸገማት ወይ ዕዳታት

እንተድኣ ገንዘባዊ ዝጸገማት ወይ ዕዳታት ኣለኩም ኮይኑ፡ ነቲ |ኣገልግሎት ሽምግልና ዕዳ ክትረኽብውፖ ትኽእሉ፡ ንሱ መፍትሒታት ኣብ ምርካብ ክሕግዘኩም እዩ። እቲ ኣገልግሎት ሽምግልና ዕዳ ኣብቲ CPAS ናይ ምምሕዳር ከተማኹም ወይ ከተማኹም ክርከብ ይኽእል።

ጎነጽ ኣብ ዝምድና

ጎጽ ኣብ በልጅም ተጻዋርነት የብሉን። ንስኻ(ኺ) ግዳይ ዘቤታዊ ጎነጽ እንተኾይንኩም፡ ንእሙን ሰብ ወይ ኣማኻሪ ክትሕብሩ ኣለኩም።

  • እንተድኣ ኣብ መቐበሊ ማእከል ትነብሩ ኾይንኩም፡ ብዛዕባ ጸገማትኩም ምስ ናትኩም ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ምስ ኣብቲ ማኣከል ዘሎ እሙን ሰብ ተዘራረቡ።
  • ኣብ መቐበሊ ማእከል ዘይትነብሩ እንተኾይንኩም፡ ካብቲ CPAS/OCMW ናይቲ ምምሕዳር ከተማኹም ወይ ካብ CAW ናይ ዞባኹም ሃገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ናብቲ ብናጻ ዝኾነ ቊጽሪ ተሌፎን 1712 ደውሉ።
  •  ብመገዲ መርበብ-ሓበሬታ Access ምስ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ብቛንቋኹም ክተዕልሉ ትኽእሉ፥www.we-access.eu/chat-with-us
ቪድዮ 'ጎነጽ ኣብ ፍቕራዊ ዝምድና' (Access)