ናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት

ነፍሲ-ወከፍ ሓታቲ ዕቝባ ሓገዝ ናይ ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያትይረክብ።

ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ኣብ መቐበሊ ቦታ ክሳብ ዘለኹም ብዛዕባኹም ክትትላዊ ሓላፍነት ይወስድ። ብዛዕባ ውልቃዊ ኵነታትኩም ዝዀነ ይኹን ሕቶ ምስዝህልወኩም ንዕኦም ካብ ምውካስ ድሕሪ ኣይትበሉ።

ልዝብ ምስ ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት

ናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት እንታይ ክ(ት)ገብር ይ(ት)ኽእል?

  • እቲ እትኣትውዎ መቐበሊ ቦታ ብኸመይ ኣገባብ ከምዝሰርሕ ንኽትፈልጡ መብርሂ ይህቡኹም። ብዛዕባ ዘለውኹም መሰላትን ግዴታታትን ሓበሬታ ይህቡኹም።
  • ብዛዕባ ኵነታት መስርሕ ናይ'ቲ ንዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ብዝምልከት ዘቕረብኩሞ መመልከቲኹም መብርሂ ይህቡኹም። ወግዓውያን ደብዳቤታት ይኹኑ ሰነዳት ክትቅበሉ ኣብ እትደልዩሉ ወይ ኣብ እትቕበሉሉ እዋን ይተሓጋገዙኹም።
  • ንሳቶም፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ናብ ክኢላዊ ኣገልግሎታት (ንኣብነት ስነ-ኣእምሮኛ) ከመሓላልፍኹም ይኽእሉ።
  • እቲ ዘለኹሞ መቐበሊ ቦታ ምስ ኵነታትኩም ዝኸይድ ምዃኑን ዘይምዃኑን የረጋግጹ።

ምስጢራውነት

እቲ ትህብዎ ሓበሬታ ወይ ንናትኩምማሕበራዊ ኣገልግሎት ትሓትዎr ብሞያዊ ምስጢራውነት ይሕሎ። እዚ ድማ ናትኩም ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያት ነዚ ሓበሬታ እዚ ምስ ካልኦት ሰባት ክካፈሎ ኣይክእልን እዩ ማለት እዩ።