ብሓልዮት ዝወሃብ ግዝያዊ ሕክምናዊ ፍቓድ

ብዕቱብ ሓሚምኩም ዘለኹም፡ ሕማምኩም ድማ ኣብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ክፍወስ ዘይከኣል እዩ። ኣብ ቤልጅዩም ንምጽናሕ፡ ብሓልዮት ዝወሃብ ግዝያዊ ሕክምናዊ ፍቓድ ንኽወሃበኩም መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ግዝያዊ ሓልዮት ሕክምናዊ ፍቓድ/ሰብኣውነታዊ ፍቓድ ፍልይ ዝበለ መስርሕ ዘለዎ እዩ።

ኣብ ቤልጂዩም ወግዓዊ ሕክምናዊ ፍቓድ (9ter) ንኽትረኽቡ ክትገብርዎም ዝግባእ፦

መስርሕ ወግዓዊ ሕክምናዊ ፍቓድ - ቅደም-ተኸተላዊ ውጥን

  1. ንመመልከቲኹምን ነቲ ዝተዋህበኩም ወግዓዊ ሕክምናዊ ወረቐት ምስክርን ብምዝጉብ ፖስታ ናብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ትልእኽዎም።
  2. ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን መመልከቲኹም ዝተርፍዎ ሰነዳት ከምዘይብሉ የረጋግጽ። ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ መሰል ወግዓዊ ሕክምናዊ ፍቓድ ከምዘለኩም ንምርግጋጽ እውን ይፍትሽ እዩ። እዚ ደረጃ መስርሕ ናይ ምርግጋጽ ተኽእሎ ቅቡልነትእዩ።
  • ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ተቐባልነት ረኺቡ፦ ኣብ ጉዳይኩም ቀጺሉ መርመራ ክሳብ ዝግበር ኣብ ቤልጂዩም ክትጸንሑ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ተቐባልነት ኣይረኸበን፦ ኣሉታዊ ውሳኔይወሃበኩም።

3. ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንመመልከቲኹም ይምርምሮ፤ እዚ ‘ንምርግጋጽ ፋይዳ ዝምልከት ደረጃ መስርሕእዩ።

  • ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ይጸድቕ፦ ግዚያዊ መሰል ነባርነት ይወሃበኩም።
  • ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ኣይጸደቐን፦ ኣሉታዊ ውሳኔ ይወሃበኩም።

ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽወሃበኩም መመልከቲ ከምዘቕረብኩም ሰባት መጠን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ወይ ኣብ መንበሪ ቦታ ናይ CPAS/OCMW ተዓቚብኩም ምስእትጸንሑ እሞ ወግዓዊ ሕክምናዊ ፍቓድ (9ter) ንምርካብ መመልከቲ ምስእተቕርቡ፡ እዚ ስጉምቲ እዚ ኣብ መዕቈቢ ቦታ ንናይ ምጽናሕ መሰልኩም ክጸልዎ ይኽእል እዩ። 

ብዛዕባ'ዚ ምስ ናትካ/ኪ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ተዘራረብ/ቢ።