ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ዘይትቕመጡ ኢኹም

መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣይትቕመጡን እንተሃሊኹም፡ ዝዀነ ይኹን ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይክወሃበኩምን እዩ። ሕክምናዊ ሓገዝ ንኽትረኽቡ መሰል ኣለኩም።

እቲ ኣህጉራዊ ውሕስነት ንኽወሃበኩም ዘቕረብኩሞ ሕቶ ብሃገረ-ቤልጅዩም ክሳብ ዝምርመር፡ ኣብ ቦታ ምቕባል ኣጋይሽመንበሪ ቦታ ክወሃበኩም እዩ። እዚ ድማ ከም ልሙድ ኣብ ናይ ፌዳሲል ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ወይ ኣብ ናይ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝዀነ ቦታ እዩ ዝኸውን። ወጻኢታት ናይ መግብኹምን መጽለሊ ቦታኹምን መንግስቲ ቤልጅዩም እዩ ዝሽፍኖ።

ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዘይክትጸንሑ እውን ዝከኣል እዩ (ሕጋዊ ዓንቀጽ ቍ. 207 "ኣብ ዝተመደበልካ ቦታ ዘይምቕራብ")፡ ምኽንያቱ፡

  • ኣብ መቐበሊ ማእከል ንዘይምንባር ትመርጹ፥ ናይ ገዛእ ርእስኹም መንበሪ ኣለኩም ወይ ናብ ስድራቤት ወይ ኣዕሩኽ ክትከዱ ትኽእሉ። ስለዚ ኣብ ውልቃዊ ኣድራሻ ክትነብሩ ኢኹም ማለት እዩ።
  • ፈዳሲል መቐበሊ ማእከል ስለዘይሃበኩም፥ መንበሪ ቦታ ንምርካብ መሰል የብልኩምን።

ከም ሓተትቲ ዕቝባ መጠን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምስዘይትቕመጡ፡ ከመይ ዝኣመሰሉ መሰላት ናይ ሓገዝ እዮም ዝህልዉኹም?

  • ናይ ገዛእ-ርእስኹም ወጻኢታት መግብን ካልእ ዘድልየኩም ስንቅን ባዕልኹም ክትቅርቡ ኣለኩም
  • ናይ ገዛእ-ርእስኹም ፋይናንስያዊ ሓገዝ ባዕልኩም ክትክእሉ ኢኹም
  • ሕክምናዊ ሓገዝ ንምርካብ መሰል ኣለኩም

ገዛ ትቕይሩ/ትግዕዙ ዶ ኣለኹም? ነቲ ኣገልግሎታት ዕቚባ ሓብርዎ።

ናብ ካልእ ናይ ውልቅኹም ኣድራሻ ዶ ትግዕዙ ኣለኹም? ነዚ ቅጥዒ እዚ ተጠቒምኩም፡ ሓድሽ ኣድራሻኹም ናብ ትካል ኣገልግሎት ጉዳይ ዕቝባ (DVZ/OE and CGVS/CGRA) ከምዝለኣኽኩም ኣረጋግጹ።

ኣብ ቤልጂዩም ንዘለኩም ሃለዋት ብዝምልከት ሕቶ ኣለኩም ዶ? 
ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ብዝምልከት ናብ Fedasil Info Point (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል)፡ መጺእኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፦ብዛዕባ ስነ-ሕጋዊ ጉዳያት፡ መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም፡ ስራሕ፡ ትምህርትን ስልጠናን፡ ምምሕዳራዊ መስርሓት፡ ናብ ሃገረ-መበቆል ናይ ምምላስ ሓገዝ፡ ሕክምናውን ስነ-ልቦናውን ሓገዝ፡ ከምኡ'ውን ነገራዊ ሓገዝ።

ናብኡ ኬድኩም፡ መቐበሊ ቦታ ንኽወሃበኩም ሕቶ ከተቕርቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ቦታ ንምርካብ ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ናይ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ከምዝምዝገብ ክትገብሩ እዩ ዝግባእ።


Fedasil Info Point (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል)

Fedasil Info Point (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል) ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዉ መዓልትታት - ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 1:00 ድ.ቀ. ክፉት እዩ።

Rue Héger-Bordet 3, 1000 Brussels

ቴሌ.፦ 0800 32 746  (ካብ ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ. ክሳብ 4፡00 ድ.ቀ.)