ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ዘይትቕመጡ ኢኹም
መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣይትቕመጡን እንተሃሊኹም፡ ዝዀነ ይኹን ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይክወሃበኩምን እዩ። ሕክምናዊ ሓገዝ ንኽትረኽቡ መሰል ኣለኩም።
እቲ ኣህጉራዊ ውሕስነት ንኽወሃበኩም ዘቕረብኩሞ ሕቶ ብሃገረ-ቤልጅዩም ክሳብ ዝምርመር፡ ኣብ ቦታ ምቕባል ኣጋይሽመንበሪ ቦታ ክወሃበኩም እዩ። እዚ ድማ ከም ልሙድ ኣብ ናይ ፌዳሲል ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ወይ ኣብ ናይ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝዀነ ቦታ እዩ ዝኸውን። ወጻኢታት ናይ መግብኹምን መጽለሊ ቦታኹምን መንግስቲ ቤልጅዩም እዩ ዝሽፍኖ።
ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዘይክትጸንሑ እውን ዝከኣል እዩ (ሕጋዊ ዓንቀጽ ቍ. 207 "ኣብ ዝተመደበልካ ቦታ ዘይምቕራብ")፡ ምኽንያቱ፡
- ኣብ መቐበሊ ማእከል ንዘይምንባር ትመርጹ፥ ናይ ገዛእ ርእስኹም መንበሪ ኣለኩም ወይ ናብ ስድራቤት ወይ ኣዕሩኽ ክትከዱ ትኽእሉ። ስለዚ ኣብ ውልቃዊ ኣድራሻ ክትነብሩ ኢኹም ማለት እዩ።
- ፈዳሲል መቐበሊ ማእከል ስለዘይሃበኩም፥ መንበሪ ቦታ ንምርካብ መሰል የብልኩምን።
ከም ሓተትቲ ዕቝባ መጠን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምስዘይትቕመጡ፡ ከመይ ዝኣመሰሉ መሰላት ናይ ሓገዝ እዮም ዝህልዉኹም?
- ናይ ገዛእ-ርእስኹም ወጻኢታት መግብን ካልእ ዘድልየኩም ስንቅን ባዕልኹም ክትቅርቡ ኣለኩም
- ናይ ገዛእ-ርእስኹም ፋይናንስያዊ ሓገዝ ባዕልኩም ክትክእሉ ኢኹም
- ሕክምናዊ ሓገዝ ንምርካብ መሰል ኣለኩም
ናብ ካልእ ናይ ውልቅኹም ኣድራሻ ዶ ትግዕዙ ኣለኹም? ነዚ ቅጥዒ እዚ ተጠቒምኩም፡ ሓድሽ ኣድራሻኹም ናብ ትካል ኣገልግሎት ጉዳይ ዕቝባ (DVZ/OE and CGVS/CGRA) ከምዝለኣኽኩም ኣረጋግጹ።