ኣብ መቐበሊ ቦታ ትጸንሑ

ሓተትቲ ዕቝባ ዓራት፡ መግቢ፡ ማሕበራዊ ሓገዝን ሕክምናዊ ሓገዝን ይወሃቡ።

ንስድራ-ቤት ዝተሓዝአ ክፍሊ ናይ መቐበሊ ቦታ

ሃገረ-ቤልጂዩም 'ንዋታዊ' ሓገዝ ትህብ፤ ማለት ነቶም ዓለም-ለኻዊ ዕቝባንኽወሃቦም መመልከቲ ዘቕረቡ ሰባት። እዚ ሓገዝ እዚ ኣብ`ቲ ዝተመደብኩሙሉ መቐበሊ ቦታ (ማእከል ወይ ውልቃዊ መንበሪ ቦታ) ክሳብ ዝሃለኹም እዩ ዝወሃበኩም።

እዚ ንዋታዊ ሓገዝ እዚ ከመይ ዝኣመሰሉ ነገራት እዩ ዘጠቓልል?

ሃገረ-ቤልጂዩም ነቶም ዕቝባ ንኽረኽቡ መመልከቲ ዘቕረቡ ሰባት ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይትገብርን እያ። ይኹን`ምበር፡ ሰሙናዊ ዝወሃበኩም ውሱን መጠን ናይ ጁባ ገንዘብ ኣሎ።