ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ የድልየኩም ዶ?

ሓተትቲ ዕቝባ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ

ካብ ዜሰንብድ ተመኲሮ፡ ጸቅጢ ወይ ቃንዛ ስዒርኩም ንክትወጹ ንኽሕግዙኹም ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ካብ ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት ወይ ኣብ መቐበሊ ቦታ ንዝነጥፍ ዶክተር ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ ምስ ክኢላ ስነ-ልቦና እትካፈልዎ ሓበሬታ፡ ብመሰረት ሞያዊ ምስጢራውነት ውሕስነት ዝተገብረሉ ኰይኑ፡ ብዘይ ናትኩም ፍቓድ ናብ ካልእ ኣካል ክበጽሕ ዝከኣል ኣይኰነን።

ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ናይ CPAS/OCMW

ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ቦታ እንተዘይብልኩምን ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ትደልዩ እንተሃልዩኹምን መጀመርታ ናብ ሓኪምኩም ኪዱ። ከምኡ`ውን ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ንኽግበረልኩም ን CPAS/OCMW ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ምዝናይ ንጥፈታት

እቲ እትዕቈቡሉ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኰነ እተን ካብኡ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበራት፡ ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ሰባት ክሕግዙ ዝኽእሉ ንጥፈታት ይውድባ እየን። እዚኣቶም ድማ ናይ ምዝናይ ንጥፈታት፡ ናይ ምስትንፋስ ልምምዳት ከምኡ`ውን ልዝብ ጕጅለ ኢሂን-ምሂን ዘጠቓለሉ እዮም። ሓበሬታ ንምርካብ ንናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት ወይ ን CPAS/OCMW ንምውካስ ናጽነት ይሰማዕኩም።

ተራፒ ናይ ዜሰንብድ ተመኲሮ ኣብ Solentra

ኣብ Solentra ንዝርከብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ባዕልኹም ቆጸራ ክትሕዙ ኣይከኣልን እዩ። ናትኩም ናይ ቀጥታ ወሃቢ ክንክን በቲ ናይ ኦንላይን ቅጥዒ ብምጥቃም ቆጸራ ክሕዘልኩም ይኽእል። ብዛዕባ እቲ ኣማራጺ ምስ ማሕበራዊ ሓጋዚኹም፡ ዓርክኹም፡ ሓፈሻዊ ሓኪምኩም ወይ ካልእ ምስጢራዊ ኣማኻሪኹም ምዝርራብኩም ኣረጋግጹ።