ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ የድልየኩም ዶ?
ሓተትቲ ዕቝባ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ
ካብ ዜሰንብድ ተመኲሮ፡ ጸቅጢ ወይ ቃንዛ ስዒርኩም ንክትወጹ ንኽሕግዙኹም ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ካብ ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት ወይ ኣብ መቐበሊ ቦታ ንዝነጥፍ ዶክተር ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ ምስ ክኢላ ስነ-ልቦና እትካፈልዎ ሓበሬታ፡ ብመሰረት ሞያዊ ምስጢራውነት ውሕስነት ዝተገብረሉ ኰይኑ፡ ብዘይ ናትኩም ፍቓድ ናብ ካልእ ኣካል ክበጽሕ ዝከኣል ኣይኰነን።
ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ናይ CPAS/OCMW
ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ቦታ እንተዘይብልኩምን ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ትደልዩ እንተሃልዩኹምን መጀመርታ ናብ ሓኪምኩም ኪዱ። ከምኡ`ውን ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ንኽግበረልኩም ን CPAS/OCMW ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።
ናይ ምዝናይ ንጥፈታት
እቲ እትዕቈቡሉ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኰነ እተን ካብኡ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበራት፡ ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ሰባት ክሕግዙ ዝኽእሉ ንጥፈታት ይውድባ እየን። እዚኣቶም ድማ ናይ ምዝናይ ንጥፈታት፡ ናይ ምስትንፋስ ልምምዳት ከምኡ`ውን ልዝብ ጕጅለ ኢሂን-ምሂን ዘጠቓለሉ እዮም። ሓበሬታ ንምርካብ ንናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት ወይ ን CPAS/OCMW ንምውካስ ናጽነት ይሰማዕኩም።