ኣብ ንጥፈታት ምስታፍ

ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኰነ ካብኡ ወጻኢ ኣብ ዝሰላሰሉ ንጥፈታት ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዝወሃብ ናይ ቋንቋ ዳች ትምህርቲ

ንጥፈታት

ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ብዛዕባ እቶም ኣብ ውሽቱ ድዩስ ኣብ ከባቢኡ ተወዲቦም ዝሰላሰሉ ንጥፈታት ብዝምልከት ሓበሬታ ክህበኩም ይኽእል እዩ። ባህሊ ዘላልዩ ናይ ዑደት መደባት ከም ልሙድ ይውደቡ እዮም። ንህጻናት፡ ካብ ትምህቲ ናጻ ኣብ ዝዀኑሎም እዋናት (ድሕሪ-ቀትሪ ናይ ረቡዕን ቀዳመ-ሰንበትን) ክሕወስዎም ዝኽእሉ ንጥፈታት ይውደቡሎም። ኣብ ፍሉያት መዓልትታት ዝካየዱ ንጥፈታት እውን ይውደቡ እዮም (ሃገራዊ በዓል ናይ ቤልጂዩም፡ ገለ ሃይማኖታውያን በዓላት ወዘተ)።

እቲ እትዕቈቡሉ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣብ ውሽጢ ቀጽሩ ይኹን ካብ ቀጽሩ ወጻኢ ኣብ ዝዀኑ ቦታታት እዩ ንጥፈታት ዝውድብ። ክንዲ-ሰብ ንዝኣኸሉ ሰባት (ደቂ-ተባዕትዮን ደቀ`ንስትዮን) ዝዀኑ ንጥፈታት ኣለው፤ ከምኡ`ውን ንህጻናት፡ ማለት ካብ ትምህቲ ናጻ ኣብ ዝዀኑሎም እዋናት ዝሰላሰሉ።

ስፖርት

ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ከም ልሙድ፡ ምጡን ዝዀነ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዘአንግድ ኣዳራሽ ኣለዎም። ኣብ ጥቓ እቲ ተዓቚብኩሙሉ ዘለኹም ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣብ ዝርከብ ክለብ ስፖርት እውን ክትጽንበሩ ትኽእሉ ኢኹም (ኣብ ቤልጂዩም፡ እቲ ብዝያዳ ፍቱው ዝዀነ ዓይነት ስፖርት ኵዕሶ-እግሪ እዩ)። እቲ ተዓቚብኩሙሉ ዘለኹም ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ናብ ሰብ-ሰርሖ መሐምበሲ ማእከላት ዑደታት ይውድብ እዩ፤ ከምኡ`ውን ብእግሪ ናይ ምዝዋር መደባት።

መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት)ን ንባብን

ኮምፕዩተርን ምስ ናይ ዋይ-ፋይ ክሊ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ`ውን ኣብ ቤልጂዩም ዝተፈላለያ ኣብያተ-ንባብ ኣለዋ። ኣብ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተዳለዉ መጻሕፍቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ምስ ጐረባብቲ ምርኻብ

ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ ጐረባብቲ እንተላይ ዝሳተፍዎም ንጥፈታት ይውድብ እዩ። ብዙሓትን ዝተፈላለዩን ንጥፈታት ኣለዉ፦ መዓልትታት ሌላ ተመኵሮ፡ ናይ ከባቢ መደባት ምዝንጋዕ፡ ናይ ስፖርት ግጥማት ወዘተ። ምስ ጐረባብቲ ናይ ማእከላትኩም እትራኸቡሎም ኣጋጣሚታት ኣለዉ።

ቪድዮ 'ተሳታፍነት ኣብ ንጥፈታት'። ነቲ ቋንቋ ናይቶም ሱብታይትላት ንምቕያር ኣብ "cc" ጠውቑ