ፈትሹ/ድለዩ
ሓተትቲ ዕቝባ እቲ ንዕቝባ ዝምልከት መመልከቲኦም ኣብ ዝምርመረሉ እዋን ኣብ መቐበሊ ቦታ ክጸንሑ ዝከኣል እዩ።
ናብ ቤልጅዩም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት/ህጻናት ኴንኩም ዲኹም መጺእኩም? ርእስኹም ክኢልኩም ክትነብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣብ`ዚ፡ ክሕግዙኹም ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣለዉ፦ ሕጋዊ/ት መጕዚት፡ ክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዝነጥፉ ተቘጻጸርቲ። ብዛዕባ መጻኢኹም ግቡእ ውሳኔ ንኽትወስዱ ይሕግዙኹምን ከምኡ ድማ ውሑስ ኣከባቢ ይፈጥሩልኩምን።
ተቐባልነት ከም ዝረኸብኩም ዕቑባት ስደተኛታት ሰባት መጠን፡ እትነብሩሉ ቤት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወጻኢታት መነባብሮኹም እውን ባዕልኹም ክትሽፍኑ የድልየኩም፦ ናይ መግቢ፡ መሞቚ፡ መብራህቲ፡ ማይ ወዘተ። መጠን ናይ እትኸፍልዎ ወርሓዊ ክራይ ገዛ ልዑል ከምዘይከውን ምስእትገብሩ፡ ንመነባብሮኹም ዝኸውን እኹል መጠን ገንዘብ ክተርፈኩም ይኽእል።
እንተድኣ ብቑዕ መንበሪ ወረቐት ዘይብልኩም ኮይንኩም፡ ንስኹም ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ኣብ ቤልጂዩም ትነብሩ ኣለኹም ማለት'ዩ። ካብ መንግስቲ ዝኾነ ደገፍ ኣይትረኽቡን ኢኹም፣ ክትሰርሑ ድማ ኣይፍቀደልኩምን እዩ።
ኣብ ቤልጂዩም፡ ንኹሎም ተቐማጦ ዝምልከቱ ስርዓታት ኣለዉ፣ እዚኦም ድማ ሕግታት እዮም። ስርዓታት ዘስገድድ ናይ ሃገር ሃይማኖት የለን።
ምምሕዳር ከተማ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ኣለዎ፥ ምውዳብ ኣብያተ-ትምህርትን መውዓሊ ቆልዑን፡ ምህናጽ ጽርግያታት፡ ምዕቃብ መናፈሻታት፡ ምእካብ ጓሓፍ... ምምሕዳር ከተማ፡ ትካል CPAS/OCMW ከምኡ'ውን ፖሊስ ብሓባር ከባብያዊ ምምሕዳር የቝሙ።
ኣብ ምጅማር መስርሕ ዕቚባኹም፡ ነቶም መንነትኩም ዘለልዩ ሰነዳት (ፓስፖርት፡ መለለዪ ወረቐት መንነት) ናብ ቤት-ጽሕፈት ኤሚግሬሽን ወይ ትካል CGRS (CGRA/CGVS) ከተረክብዎም ይግባእ።