ኣብ ቤልጂዩም፡ ዝዀነ ወጻእተኛ ዕቝባ ንምርካብ መመልከቲ ከቕርብ ይኽእል ዶ?

እወ፡ ዝዀነ ይኹን ናብ ቤልጅዩም ዝኣተወ ወጻእተኛ፡ ናብ ዝምልከቶም ትካላት መዚ ናይ ቤልጅዩም፡ መመልከቲ ናይ ኣህጉራዊ ሓለዋ (ሕቶ ዕቝባ) ከቕርብ ይኽእል እዩ።

ኣብ ገለ ኣዝዮም ፍሉያት ጉዳያት፡ CGVS/CGRA ንገለ ወጻእተኛታት ዕድል ምቕራብ ሕቶ ዕቝባ ክኽልክሎም ዝከኣል እዩ። እዚ ዝዀነሉ፡ ንኣብነት፡ ዝምልከቶ ወጻእተኛ ምስ ኲናት ድዩስ ምስ ሰብኣዊ ግህሰት ዝተኣሳሰር ገበን ዝፈጸመ ምስዝኸውን ወይ ኣብ ልዕሊ ሕብረተ-ሰብ ናይ ሃገረ-ቤልጂዩም ስግኣት ክፈጥር ዝኽእል ምስዝኸውን።