LGBTQI ዝዀኑ ሰባትን መመልከቲ ናይ ኣህጉራዊ ሓለዋን

ምስ ጾታዊ ዝንባለኹም ወይ ጾታዊ መለለዪኹም ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ መበቆል ሃገርኩም ኣሳዳዲ ኵነታት ወይ ተመኵሮ ከየጋጥመኩም ትሰግኡ/ትፈርሑ ዶ? ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽወሃብኩም መመልከቲ ኣቕርቡ።

ከም LGBTQI ዝዀኑ ሰባት መጠን፡ ኣካል ናይ'ቲ ተኣፋፊ ዝበሃል ጕጅለ ኢኹም። ትካል CGVS/CGRA ነቲ ን ንዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲኹም ክምስርሖ እንከሎ፡ ነዚ ረቛሒ እዚ ኣብ ግምት የእትዎ እዩ።

ቃለ-መሕትት ብወዲ-ተባዕታይ ወይ ብጓለ`ንስተይቲ

ኣብ'ዚ ምስ ሰራሕተኛ ዕቝባ ናይ ትካል CGVS/CGRA እተካይድዎ ቃለ-መሕትት፡ ብዛዕባ እቶም ከም LGBTQI ዝዀንኩም ሰባት መጠን ንኽትሃድሙ ዝደረኹኹም ጸገማት ክትዛረቡ ይግባእ።

ዛንታኺ ንወድተባዕታይ ድዩ ወይስ ንጓለንስተይቲ ምንጋር እዩ ዝኸብደኪ፧ ኣብ'ቲ ናይ DVZ/OE ቅጥዒ መሕትት፡ እቲ ቃለ-መሕትት ዘካይደልኩም ሰራሕተኛ ዕቝባ ይኹን እቲ ንዝርርብኩም ዝትርጉም ክኢላ ቋንቋ ወዲ ተባዕታይ ዶ ወይስ ጓለ'ንስተይቲ ክ(ት)ኸውን ኢኹም እትደልዩ ዘመልክት ሓበሬታ ክትመልኡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ CGVS/CGRA ንጠለብኪ ከማልኦ ክፍትን'ዩ። ኣብ'ዚ መዳይ እዚ ሓገዝ ንምርካብ ን ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳይኩም ተወከሱ።

መረጋገጺ/ጭብጢ ቕራብ

እዚ ቃለ-መሕትት እዚ ቅድሚ ምክያዱ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ሓበሬታን ሰነዳትን ከምእተዳልዉ ግበሩ፤ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ብዝምልከት፦

ሰራሕተኛ ዕቝባ፡ ካብ'ቲ ዝሃብኩሞ ወግዓዊ ቃልን ዘቕረብኩሙሉ ጭብጥን ተበጊሱ፡ ብዛዕባ ተኣማንነት ናይ ጾታዊ ዝንባለኹም መርመራ ከካይድ እዩ። ትካል CGVS/CGRA ጾታዊ ተግባራት ዘርእዩ ደረቕ ኰነ ተንቀሳቐስቲ ኣሳእል ኣይቅበልን እዩ። ሰራሕተኛ ዕቝባ፡ እቲ ኣብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ኣሳዳዲ ኵነታት ንኸየጋጥመኩም ኣለኒ እትብልዎ ስግኣት ብመርትዖ ዝተሰነየ ምዃኑን ዘይምዃኑን እውን ክፍትሽ እዩ።