እቲ ናብ ትካል CGVS/CGRA ንኽትቀርቡ ዝለኣኸልኩም ዕድመ

ትካል CGVS/CGRA ናብ`ቶም ኣብ ብራስለስ ዝርከቡ ኣብያተ-ጽሕፈቱ ይዕድመኩም።

CGRS offices in Brussels

እቲ CGRS (CGRA/CGVS)  እንተ ወሓደ ሓንሳእ ንናይብሕታዊ ቓለ-መጠይቕ ክዕድመካ እዩ።

ነቲ ዕድመ ብኸመይ እየ ዝቕበሎ?

ኣብ እዋን ፍርዲ ኣብ እቲ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ወይ ከኣ ብጶስጣ  ወይ ብኢ-መይል ኣብቲ ዝሃብካዮ ኣድራሻ ወረቐት ዕድመ ኽትቅበል ኢኻ።

እቲ ን CGRS  እትህቦ ኣድራሻ ቕኑዕ ምዃኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ርግጸኛ ንሙኻን፣ ኣድራሻ ናይ ጠበቓኻ እውን ን CGRS ሃብ ኢኻ። ቅዳሕ እቲ ወረቐት ዕድመ ተቐቢሉ ኺነግረካ ይኽእል እዩ። 

እቲ ዕድመ እንታይ ሒዙ ኣሎ?

እቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ኣብ እዋን እቲ ብሕታዊ ቓለ-መጠይቕካ ኣበየናይ መዓልትን ሰዓትን ናብ እቲ ኣብ ብራስልስ ዚርከብ ኣብያተ ጽሕፈት CGRS (CGRA/CGVS) ኪትስማዕ ክትከይድ ከም ዘለካ ዝገልጽ እዩ።

ኣብ ቆጸራይ ክኸይድ እንተ ዘይክኢለ እንታይ ክገብር ኣሎኒ?

ኣብታ እተመደበት ዕለት ናብ CGRS ክትከይድ እንተ ዘይኪኢልካ፣ ንናይ CGRS ብቕልጡፍ ሓብር ከምኡውን እቲ ዑቱብ ዘይመምጺእኻ ምኽንያት ድማ ግለጽ (ሕማም፣ሆስፒታል ምእታው፣ ወ.ዘ.ተ)።

ኣብቲ ቓለ-መጠይቕ ዘይምክፋልካ፣ ኣብቲ ዕቝባ ንምርካብ ዝሓተትካሉ ምልክታ ኸቢድ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ንማሕበራዊ ሰራሕተኛኻ ወይ ጠበቓኻ ን CGRS ንክትሕብር ክሕግዘካ ሕተቶ ።