ኣንጻር ውሳኔ ናይ ትካል CGVS/CGRA ይግባይ ምባል?

ንውሳኔ ናይ ትካል CGVS/CGRA ትቃወምዎ ዶ? ብዛዕባ እዚ ውሳኔ እዚ ናብ ቤት-ምኽሪ ክርክር ሕጊ መጻእተኛታት (CALL/RvV/CCE)ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ እዚ ኣማራጺ እዚ ምስ ጠበቓኹም ተማኸሩ።

ይግባይ ምቕራብ

ኣንጻር ኣሉታዊ ውሳኔ ናይ ትካል CGVS/CGRA ይግባይ ንምባል፡ ንስኹም ምስ`ቲ ዝውክለኩም ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ብምዃን ናብ ትካል RvV/CCE ይግባይ ክትብሉ ይግባእ። እዚ ይግባይ'ዚ ክሎም እቶም ኣገደስቲ ባእታታት ከጠቓልል ኣለዎ ምእንቲ እቲ RvV/CCE ንጉዳይኩም ክሕዞ ክኽእል።

ሓደ ይግባይ ክሳብ መኣስ ክቐርብ ኣለዎ፧

ኣብ ውሽጢ ሓደ ፍሉጥ ንውሓት ግዜ ናብቲ RvV/CCE ይግባይ ክተቕርቡ ኣለኩም። እቲ ይግባይ ናይ ምቕራብ ደረት ግዜ ኣብቲ ውሳነ ናይቲ CGVS/CGRA ዝሓዘ ደብዳበ ተጠቒሱ ኣሎ።

ብሓፈሻኡ፡ እቲ ይግባይ ናይ ምቕራብ ደረት ግዜ 30 መዓልታት እዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ እቲ ደረት ግዜ ዝሓጸረ እዩ፤ 10 ወይ 5 መዓልትታት ድማ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ኣብ ማእከል ቀይዲ እንተሃሊኹም።

እቲ መርመራ ናይቲ RvV/CCE

እቲ RvV/CCE ንጉዳይኩም ካልኣይ ግዜ ክምርምሮ እዩ። እቲ ምስቲ RvV/CCE ዝግበር ሕጋዊ ኣካይዳ ብቐንዱ ብጽሑፍ ይካየድ። ዋላ'ኳ ምስማዕ ጉዳይ ኣብ ብራስለስ እንተሃለወ። ንስኻ/ኺ ወይ ጠበቓኻ ኣብቲ ኣኼባ ክትርከቡ ኣለኩም።

ኣብ እዋን እዚ ናይ ይግባይ ሕጋዊ ኣካይዳ'ዚ፡ ንኣኻ/ኺ ካብቲ ግዝኣት ብሓይሊ ከምትእለዩ ምግባር ኣይክኣልን'ዩ።

ይኹን እምበር፡ ነዚ ዝስዕብ ዝምልከት እንተኾይኑ ካብ ልኡላዊ ክፍሊ መሬት ብሓይሊ ከምትእለዩ ክግበር ዝከኣል'ዩ።

  • ይግባይ ኣንጻር ውሳኔ ምንጻግ/ዘይቅቡልነት ናይ ሳልሳይ መመልከቲ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ
  • ይግባይ ኣንጻር ውሳኔ ምንጻግ/ዘይቅቡልነት ናይ ዝስዕብ መመልከቲ፡ ማለት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድሕሪ እቲ ዛዛሚቀዳማይ ውሳነ ናይ ቀይዲ ዝኸውን

እቲ ውሳነ ናይቲ RvV/CCE

እቲ RvV/CCE ዝተፈላለዩ ውሳነታት ክህብ ይኽእል። እቲ RvV/CCE ነዞም ዝስዕቡ ክገብር ይኽእል፥

  • ናይቲ CGVS/CGRA ውሳነ ከምዘጸንዕ ምግባር። ብድሕሪኡ እቲ CGVS/CGRA ውሳነ ናይ መወዳእታ ይኸውን።
  • ነቲ ውሳነ ናይቲ CGVS/CGRA ዳግም ምርይ። እዚ ማለት እቲ RvV/CCE ካብ ናይቲ CGVS/CGRA ውሳነ ዝተፈልየ ውሳነ ይህብ።
  • ነቲ በቲ CGVS/CGRA ዝተዋህበ ውሳነ ይስርዝ። እቲ CGVS/CGRA ደጊሙ ንጉዳይኩም ይሕዞ ነቶም ርእይቶታት ናይቲ RvV/CCE ድማ ኣብ ግምት የእትዎም።

ድሕሪ ኣሉታዊ ውሳነ ዝስዕብ

ካብ ትካል RvV/CCE ኣሉታዊ መልሲ ምስተዋህበኩም፡ ካብ ልኡላዊ ክሊ መሬት ንኽትወጹ ዝጠልብ ትእዛዝክትቅበሉ ኢኹም።