ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ዘብቅዓሉ

ትካል CGVS/CGRA፡ እቲ ጸዲቑልኩም ዝጸንሐ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባከምዘብቅዕ ከገብር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኵነተ-ሃለዋትኩም/መሰልኩም ከምዝስረዝ ወይ ከምእትሕደጉ ብምግባር ክፍጸም ይከኣል።

ኵነተ-ሃለዋትኩም ከምዘብቅዕ ንምግባር

እቶም ከም ከም ተቐበልቲ ኵነተ-ሃለዋት ተቐባልነት ንኽትረኽቡ ምኽንያት ዝዀኑ ረቛሒታት ደጊም ምስዘይህልዉ ወይ ኣድላይነት ክሳብ ዘይህልዎም መጠን ምስዝቕየሩ፡ ትካል CGVS/CGRA እቲ ኣጽዲቑልኩም ዝጸንሐ ኵነተ-ሃለዋት ከምዘብቅዕ ክገብር ይኽእል እዩ። እዚ ክዀነሉ ዝኽእል ካልእ መገዲ ድማ፡ ብሰንኪ ናይ ባህርያት ጕድለትኩም ዕቝባ ኪወሃበኩም ኣድለይነት ዘይብሉ ምስዝኸውን እዩ።

ምሕዳግ/ምኽላእ ኵነተ-ሃለዋትኩም

ትካል CGVS/CGRA ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እቲ ጸዲቑልኩም ዝጸንሐ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ንኸሕድገኩም ክውስን ዝከኣል እዩ። እዚ ክኸውን ዝከኣል፦

  • ኣብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ገበን ፈጺምኩም ከምዝመጻእኩም ምስዝረጋገጽ።
  • ኣብ ናይ ቃለ-መሕትትኩም እዋን ግጉይ ቃል ወይ ሰነድ እንተሂብኩም።
  • ባህርያትኩም ናይ ሓቂ ሓደጋ ዘንጸላለወኩም ወይ ዕቱብ ማህሰይቲ ከጋጥመኩም ዝኽእል ሰባት ከምዘይኰንኩም ዘመልክት ምስዝኸውን።
  • ካብ መስርሕ ዕቝባ ክትግለፉ/ክትወጹ ይግባእ

ይግባይ

ኣንጻር ውሳኔ ናይ CGVS/CGRA ናብ ትካል RvV/CCE ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። መስርሕ ይግባይ ከይተዛዘመ እንከሎ፡ ካብ ልኡላዊ ክሊ መሬት ናይ ቤልጂዩም ከምእትወጹ ክግበር ዝከኣል ኣይክኡአነን።