ናይ ቤልጅዩም ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ

ማኪና ንኽትመርሑ፡ ኣህጉራዊ ወይ ናይ ቤልጅዩም ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ ክህልወኩም ይግባእ። ድሮ ኣብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ዝሓዝኩሞ ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርካሪት እንተሃልዩኩም፡ ናይ ቤልጅዩም ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርካሪት ንኽወሃበኩም መመልከቲ ኣብ ምቕራብ ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም። ክሳብ እዚ እዋን እዚ ዝሓዝኩሞ ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርካሪት እንተዘይ ሃልዩኩም፡ ፈተና ናይ ምምራሕ ተሽከርከርቲ ክትወስዱ ከድልየኩም እዩ።

ኵላቶም ወረቓቕቲት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ ኣይኰኑን - ናይ ቤልጂዩም ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ ንኽትወሃቡ ዘኽእሉኹም። 

ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ

ናይ ቤልጂዩም ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ ንኽወሃበኒ ከመልክት እኽእል ዶ?

ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት እንተረኺብኩም ወይ ኵነተ-ሃለዋት ናይ ነባርነት እንተጸዲቑልኩም፡ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ዝተዋህበኩም ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርካሪት ብምርኣይ፡ ናይ ቤልጂዩም ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ ንኽወሃበኩም ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ ካብ ሃገርኩም ሒዝኩሞ ዝመጻእኩም ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ፡ ኣብ ወግዓዊ መፈተኒ ቦታ ኬድኩም ኣድላዪ ፈተና ብምውሳድ፡ ሓድሽ ናይ ቤልጂዩም ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ ከተውጽኡ ከድልየኩም እዩ።

ናይ ቤልጂዩም ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ ንኽወሃበኒ ኣበይ እየ ዘመልክት?

ኣብ`ቲ እተነብሩሉ ምምሕዳር ከተማ ብምኻድ፡ ንብዛዕባ ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብቐጥታ ኣይኰነን - ሓድሽ መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ ዝወሃበኩም። እቲ መስርሕ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ነዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ዓይነት ሰነዳት ከተቕርቡ ይግባእ፦

እቲ ይ ቤልጂዩም ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ ንኽወሃበኒ ዘቕርቦ መመልከቲ ክንደይ ዝኣክል ገንዘባዊ ወጻኢታት ይሓተኒ?

ነፍሲወከፍ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ብዝምልከት ናይ ገዛእ-ርእሳ ሽንን ዋጋ እለዋ። ማእከላይ ገምጋም ናይ`ዚ ዋጋ እዚ 25 ዩሮ እዩ።

ፈተና ምምራሕ ተሽከርከርቲ ምውሳድ

ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ተሽከርከርቲ ክትሕዙ እንተደሊኹም፡ ኣብ ተግባራውን ናይ ቃልን ፈተናታት ክትሓልፉ ይግባእ። ኣብ እዋን ፈተና፡ ተሽከርካሪት ክትመርሑ ከምእትኽእሉን ከምዘይትኽእሉን ክትምዘኑ ኢኹም፤ ማለት ኣድላዪ ዝበሃል ፍልጠትን ሜላን ናይ ምምራሕ ከምዘለኩም። ነቲ ናይ ቃል ፈተና ብቛንቋታት ዳች (ኣብ ፍላንደርስን ብራስለስን)፡ ፈረንሳ (ኣብ ዋሎኒያን ብራስለስን) ወይ ድማ ሕጋዊ ተፈላጥነት ብዘለዎም ናይ ዝርርብ ተርጓምቲ ተሓጊዝኩም ብቛንቋ ጀርመን ወይ እንግሊዘኛ ክትወስድዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ምምራሕ ተሽከርከርቲ ኣብ እትመሃሩሉ፡ ግዚያዊ ወረቐት መምርሒ ፍቓድ ንኽትሕዙ ዘኽእለኩም ናጻ ስልጠና ክትወስዱ ወይ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ምምራሕ ተሽከርከርቲ ንኽትመሃሩ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ገለ ጉዳያት፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ምምራሕ ተሽከርከርቲ ስልጠና ምውሳድ ግዴታዊ እዩ።

ምምራሕ ተሽከርከርቲ ክትመሃርን ፈተና ክትወስድን ብዙሕ ገንዘብ ዝውድእ መስርሕ እዩ። ናብ ፈተና ቅድሚ ምእታውኩም፡ ብዝግባእ ከምዝተዳለኹም ኣረጋግጹ።