ምዝዋር መኪና ኣብ ቤልጅዩም

መኪና ንምዝዋር፡ ክተኽብርዎም ዘለኩም ኣገደስቲ ሕግታት ኣለዉ።

ኣየኖት ሰነዳት የድልይኹም፧

ኣብ በልጅም መኪና ንምዝዋር፡ እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት የድልይኹም፥

  • ኣህጉራዊ ወይ በልጅማዊ ፍቓድ መዘወሪ መኪና
  • ናይታ መኪና 'ሓምዂሽታይ ካርድ' (መረጋገጺ ናይ ምዝገባ)
  • ሰነዳት መድሕን

ፖሊስ ደው እንተቢልኩም፡ ነዞም ሰነዳት እዚኦም ከተርእዩ የድልየኩም።

ማኪና ምምራሕ

ኣገደስቲ ናይ ትራፊክ ሕግታት

ኣብ በልጅም መኪና ኣብ ትዝውርሉ እዋን እዞም ዝስዕቡ ሕግታት ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም፥

  • መኻይን ኣብ የማናይ ወገን ናይቲ ጽርግያ እየን ዝዝወራ
  • እቲ ዝለዓለ ፍጥነት ክንደይ ምዃኑ ክተስተውዕሉ ኣለኩም (50 ኪ.ሜ/ሰዓት ኣብ ከተማ፡ 120 ኪ.ሜ/ሰዓት ኣብ ጽርግያ ተሽከርከርቲ፡ 30 ኪ.ሜ/ሰዓት ኣብ ጥቓ ኣብያተ-ትምህርቲ)።
  • ክሎም ተሳፈርቲ መቐነት መኪና ክዕጠቑ ኣለዎም (ቅድሚትን ድሕሪትን)
  • ኣብ ትዝውርሉ እዋን ተንቀሳቓሲት ተሌፎን ክትጥቀሙን ክትድውሉን የብልኩምን።
  • ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ ክትሰትዩ የብልኩምን
  • ኣብ ዝደለኽሞ (ብናጻ) መኪና ክትዕሽጉ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ምልክታት ኣስተውዕሉ!
  • መብራህትታት ትራፊክ ኣብ ዘይብሉ መስቀላዊ መንገድታት ንብየማን ዝመጻ መኻይን ቀዳምነት ክትህቡ ኣለኩም።