ናብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ንምእታው ተመዝገቡ

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ድሕሪ ምምዝጋብኩም ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ምስዘይወሃበኩም፡ ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ሰፊሩ ከምዝጸንሕ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ቦታ ክሳብ ዝወሃበኩም፡ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ስነ-ሕጋዊ ሓገዝን ናይ ምዃን መሰል ኣለኩም።

እቲ ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት (ዕቝባ) ንምርካብ ናብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን እተቕርብዎ መመልከቲ ምስተመዝገበ፡ ትካል ፌዳሲል፡ ከም ንቡር፡ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ክትወሃቡ ከምእትኽእሉን ከምዘይትኽእሉን እዩ ዝፍትሽ።

ፌዳሲል፡ ብሰንኪ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ዘጋጥም ጽበት ቦታ፡ ነቲ ኣብኡ ቦታ ንኽወሃበኩም ዘቕረብኩሞ ሕቶ  ዘይክምርምሮ ይኽእል እዩ። ቀዳምነት ንህጻናት፡ ንደቀ'ንስትዮን ኣብ ኵነተ-ተኣፋፊነት ንዝርከቡ ሰባትን እዩ ዝወሃብ።

ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ሰፊሩ ከምዝጸንሕ ግበሩ
ቦታ ክሳብ ዝወሃበኩም፡ ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ናይ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ፌዳሲል፡ ነቲ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ንኽወሃበኩም ዘቕረብኩሞ ሕቶ ድሕሪ ምምርማር፡ ንዓኹም ዝኸውን ቦታ እንተተረኺቡ፡ ብኢ-መይል ክሕብረኩም እዩ።

ህጽጽ ሕክምናዊ ሓገዝ
ህጽጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረልኩም የድሊ ዶ? ኣብ ጐድኒ ህንጻ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ናብ ዝርከብ ትካልሕክምናዊ ቈጸራ ዕቑባት ስደተኛታት (Refugee Medical Point) ኪዱ። እቶም ኣብ'ቲ ቦታ እቲ ዝነጥፉ ዶክተራት፡ ነርሳትን ኢላታት ስነ-ልቦናን ጥዕናዊ ጸገማትኩም ኣብ ምፍታሕ ክተሓጋገዙኹም እዮም። 

ትካል ሕክምናዊ ቈጸራ ዕቑባት ስደተኛታት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዉ መዓልትታት - ካብ ሰዓት 9:30 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ. ክፉት እዩ።

ክፍሊት ሕክምናዊ ወጻኢታት
ዶክተር (ብዘይ ክፍሊት) ሕክምናዊ ሓገዝ ንኽገብረልኩም እውን መሰል ኣለኩም።

ናብ ዶክተር ድዩስ ናብ ሆስፒታል ወይ ናብ በዓል-ሞያ ፋርማሲ ንኽትቀርቡ ሒደት መዓልትታት ምስተረፋኹም፡ ብወገንኩም (ወይ ድማ ብወገን ዶክተርኩም) ብቅጥዒ ሕክምናዊ ወጻኢታት እተሰነየ ጠለብ ሓገዝ ናብ ፌዳሲል ክቐርብ ይግባእ። 

ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ/ጠበቓ
ካብ ትካል ይኹን ውልቀ-ጠበቓ ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ ንኽግበረልኩም እውን ሕቶ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ናይ ጠበቓ ሓገዝ፡ ድሩት መጠን ኣታዊ ንዘልዎም ሰባት ብናጻ እዩ ዝወሃብ። 

ኣብ ዞባኹም ንዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ (BJB/BAJ)ተወከሱ። ብናጻ ዝሰርሕ ጠበቓ ክምድበልኩም እዩ።

ናይ ህጹጽ ሓገዝ መዕቈቢ ናይ ብራስለስ
ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ክሳብ ዝወሃበኩም፡ መጽለሊ ክትረኽቡ ህጹጽን ዘይስገርን ጉዳይ ድዩ? ናብ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ብራስለስ ዝርከቡ ናይ ህጹጽ ሓገዝ መዕቈቢታት ክትክዱ ትኽእሉ ኢኹም።

Fedasil Info Point (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል)

ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ብዝምልከት ናብ Fedasil Info Point (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል)፡ መጺእኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፦ብዛዕባ ስነ-ሕጋዊ ጉዳያት፡ መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም፡ ስራሕ፡ ትምህርትን ስልጠናን፡ ምምሕዳራዊ መስርሓት፡ ናብ ሃገረ-መበቆል ናይ ምምላስ ሓገዝ፡ ሕክምናውን ስነ-ልቦናውን ሓገዝ፡ ከምኡ'ውን ነገራዊ ሓገዝ።

ናብኡ ኬድኩም፡ መቐበሊ ቦታ ንኽወሃበኩም ሕቶ ከተቕርቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ቦታ ንምርካብ ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ናይ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ከምዝምዝገብ ክትገብሩ እዩ ዝግባእ

ኣብ ብራስለስ-ቦርደት (Brussels Bordet) ዝርከብ Fedasil Info Point (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል) ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዉ መዓልትታት - ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 1:00 ድ.ቀ. ክፉት እዩ።

ቴሌ.፦ 0800 32 746  (ካብ ሰዓት 1:00 ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ.)