ናብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ንምእታው ተመዝገቡ
ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ድሕሪ ምምዝጋብኩም ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ምስዘይወሃበኩም፡ ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ሰፊሩ ከምዝጸንሕ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ቦታ ክሳብ ዝወሃበኩም፡ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ስነ-ሕጋዊ ሓገዝን ናይ ምዃን መሰል ኣለኩም።
እቲ ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት (ዕቝባ) ንምርካብ ናብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን እተቕርብዎ መመልከቲ ምስተመዝገበ፡ ትካል ፌዳሲል፡ ከም ንቡር፡ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ክትወሃቡ ከምእትኽእሉን ከምዘይትኽእሉን እዩ ዝፍትሽ።
ፌዳሲል፡ ብሰንኪ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ዘጋጥም ጽበት ቦታ፡ ነቲ ኣብኡ ቦታ ንኽወሃበኩም ዘቕረብኩሞ ሕቶ ዘይክምርምሮ ይኽእል እዩ። ቀዳምነት ንህጻናት፡ ንደቀ'ንስትዮን ኣብ ኵነተ-ተኣፋፊነት ንዝርከቡ ሰባትን እዩ ዝወሃብ።
ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ሰፊሩ ከምዝጸንሕ ግበሩ
ቦታ ክሳብ ዝወሃበኩም፡ ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ናይ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ፌዳሲል፡ ነቲ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ንኽወሃበኩም ዘቕረብኩሞ ሕቶ ድሕሪ ምምርማር፡ ንዓኹም ዝኸውን ቦታ እንተተረኺቡ፡ ብኢ-መይል ክሕብረኩም እዩ።
ህጽጽ ሕክምናዊ ሓገዝ
ህጽጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረልኩም የድሊ ዶ? ኣብ ጐድኒ ህንጻ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ናብ ዝርከብ ትካልሕክምናዊ ቈጸራ ዕቑባት ስደተኛታት (Refugee Medical Point) ኪዱ። እቶም ኣብ'ቲ ቦታ እቲ ዝነጥፉ ዶክተራት፡ ነርሳትን ኢላታት ስነ-ልቦናን ጥዕናዊ ጸገማትኩም ኣብ ምፍታሕ ክተሓጋገዙኹም እዮም።
ትካል ሕክምናዊ ቈጸራ ዕቑባት ስደተኛታት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዉ መዓልትታት - ካብ ሰዓት 9:30 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ. ክፉት እዩ።
ክፍሊት ሕክምናዊ ወጻኢታት
ዶክተር (ብዘይ ክፍሊት) ሕክምናዊ ሓገዝ ንኽገብረልኩም እውን መሰል ኣለኩም።
ናብ ዶክተር ድዩስ ናብ ሆስፒታል ወይ ናብ በዓል-ሞያ ፋርማሲ ንኽትቀርቡ ሒደት መዓልትታት ምስተረፋኹም፡ ብወገንኩም (ወይ ድማ ብወገን ዶክተርኩም) ብቅጥዒ ሕክምናዊ ወጻኢታት እተሰነየ ጠለብ ሓገዝ ናብ ፌዳሲል ክቐርብ ይግባእ።
ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ/ጠበቓ
ካብ ትካል ይኹን ውልቀ-ጠበቓ ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ ንኽግበረልኩም እውን ሕቶ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ናይ ጠበቓ ሓገዝ፡ ድሩት መጠን ኣታዊ ንዘልዎም ሰባት ብናጻ እዩ ዝወሃብ።
ኣብ ዞባኹም ንዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ (BJB/BAJ)ተወከሱ። ብናጻ ዝሰርሕ ጠበቓ ክምድበልኩም እዩ።
ናይ ህጹጽ ሓገዝ መዕቈቢ ናይ ብራስለስ
ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ክሳብ ዝወሃበኩም፡ መጽለሊ ክትረኽቡ ህጹጽን ዘይስገርን ጉዳይ ድዩ? ናብ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ብራስለስ ዝርከቡ ናይ ህጹጽ ሓገዝ መዕቈቢታት ክትክዱ ትኽእሉ ኢኹም።
Fedasil Info Point
At the Fedasil Info Point you can ask questions about your procedure, work, training, legal advice. You cannot ask for a reception place there, for this you have to register on the waiting list for reception.
The Fedasil Info Point in Brussels Bordet is open from Monday to Friday, from 9 am to 1 pm.