መንነትን ጾታዊ መለለዪን

ብዛዕባ ጾታዊ መለለዪን ዝንባለን ናይ ሰባት ዝመጸ ብዙሕ ፍልልያት ክህሉ ዝከኣል እዩ። ኣብ'ዞም ፍልልያት እዚኣቶም ኣኽብሮት ምርኣይን ብዛዕባ ሓድሕድካ ርዱእ ምዃንን ኣገዳሲ እዩ

ቤልጅዩም ጾታዊ መለለዪ ኰነ ጾታዊ ዝንባለ ናይ ነፍሲወከፍ ሰብ ከተኽብር እትቃለስ ሃገር እያ። ነዞም እተፈላለዩ ጾታዊ መለለዪታትን ጾታዊ ዝንባለታትን ንጹራት ንምግባሮም ዝኣክል LGBTQIA+ ዝብል ንኹሉ ዝሓቘፈ መግለጺ ኢና ንጥቀም። 

ቀስተ-ደበናዊ ባንዴራ
ቀስተ-ደበናዊ ባንዴራ ሕላገት ናይ ኮም LGBTQIA+ እዩ

LGBTQIA+ ነዞም ዝስዕቡ ዓይነት ሰባት ይውክል፦
ብረ-ሰዶማውያን ደቀ'ንስትዮ፡ ማለት 
ከም ደቀ'ንስትዮ ወይ ጾታ-ኣልቦ ዝልለያ እሞ ምስ ካልእ ጓለ'ንስተይቲ ወሲባዊ ርክብ ናይ ምፍጻም ዝንባለ ዘለወን ሰባት። 
ብረ-ሰዶመኛታት፡
ማለት ብሓፈሻኡ ተማሳሳሊ ጾታዊ መለለዪ ምስ ዘለዎም ሰባት ወሲባዊ ርክብ ናይ ምፍጻም ዝንባለ ዘለዎም ሰባት። እዚ መግለጺ እዚ፡ ከም ልሙድ፡ ብደቂ-ተባዕትዮ ንዝሰሓቡ ደቂ-ተባዕትዮ ንምግላጽ እንጥቀመሉ እዩ።
ሰብ-ድርብ-ጾታዊ-ዝንባለ፡ 
ማለት ምስ ደቂ-ተባዕትዮ ደቀ’ንስትዮን ወሲባዊ ርክብ ናይ ምፍጻም ዝንባለ ዘለዎም ሰባት። እዚ ስሕበት እዚ ክቕየር ይኽእል እዩ።
ታኦምዝቐየሩ ሰባት፡
ማለት ናይ ወዲ-ተባዕታይ ወይ ጓለ’ንስተይቲ ጾታዊ መለለዪ ሒዞም ይውለዱ እሞ፡ እዚ ግን ምስ ውሽጣዊ ስምዒቶም ዘይቃዶ ይኸውን (ብዛዕባ ናቶም ጾታዊ መለለዪ/ ጾታዊ መግለጺዝመጸ)። እዞም ጾታኦም ዝቐየሩ ሰባት፡ ኣንጻር-ጾታዊ መለለዪ ንምልባስ መጥባሕቲ ዘካየዱ ወይ ሆርሞን ዝወሰዱ ክዀኑ ይኽእሉ፤ እዚ ናይ ግድን ክኸውን ዘለዎ እዩ ማለይ ግን ኣይኰነን። ጾታኦም ዝቐየሩ ሰባት ናይ ኣንጻር ጾታ ክዳን ዝለብሱ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። 
ታ-ኣልቦ/ ዘየነጸሩ፡ ማለት 
ሓደ ሰብ ምሉእ ኣንጻር-ጾታዊ ስሕነት ዘለዎ ኰይኑ ምስዘይስምዖ። ጾታ-ኣልቦ ወይ ብዝዀነ ይኹን ጾታዊ መለለዪ ክጽውዑ ዘይደልዩ ሰባት፡ ብኸም’ዚ ክንጽውዖም ንኽእል። 
ስጠ-ጾታዊ ሰብ፡
ኣካል ናይ ነፍሲወከፍ ሰብ፡ ብመንጽር ጾታዊ ጠባያት፡ ኣካላዊ ነዝዕታት፡ ስነ-ሰረታዊ ኣቃውማ ወዘተ ፍሉይ እዩ። ልዕሊ ወይ ትሕቲ ንቡር ጾታዊ ክፍሊ ኣካላት (ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል) ሒዙ ዝውለድ ሰብ፡ ንገዛእ-ርእሱ ከም ውስጠ-ጾታዊ ክፈልጣ ይኽእል። 
ኑው-ጾታውነት፡ ማለት 
"ከም'ዚ እዩ" ክበሃል ዘይከኣል ጾታዊ ዝንባለ ወይ ስሕበት ንዘለዎም ሰባት ይውክል። 
+Plus/ናይ ምድማር ምልክት 
'እተደመሮ' ንዅላቶም ዛጊት እተለለዩን ዘይተለለዩን ጾታዊ ዝንባለታት የመልክት። "ከም'ዚ እዩ" ክበሃል ዝከኣል ጾታዊ ዝንባለ ዘይብሎም ሰባት እውን ክብረት ዘለዎምን ቅቡላትን እዮም። 

ናይ ጾታዊ መለለዪ (ጀንደር) ሰብ

ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ የድልየኩም ዶ?  ኣብ ቤልጂዩም፡ ናይ ስደት ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ሰባት ሓገዝ ዝገብራ ናይ LGBTQIA+ ውድባት ኣለዋ።