መንግስቲ ቤልጂዩም ዘይሻራዊ እዩ

ኣብ ቤልጂዩም፡ ንኹሎም ተቐማጦ ዝምልከቱ ስርዓታት ኣለዉ፣ እዚኦም ድማ ሕግታት እዮም። ስርዓታት ዘስገድድ ናይ ሃገር ሃይማኖት የለን።

ዘይሻራውነት

በልጅም ዲሞክራስያዊት ሃገር እያ፡ እዚ ማለት ከኣ እቲ መንግስቲ ዘይሻራዊ ክኸውን ኣለዎ። መንግስቲ በልጅም ንኽሎም ዜጋታት ብማዕረን ብሓደ ዓይነት ክብረትን ይሕዞም፡ እዚ ዝስዕብ ብዘየገድስ፥

  • ወድተባዕታይ ዲኻ ወይ ጓለንስተይቲ
  • ናቶም ሃይማኖት
  • ናቶም ስነ-ሓሳብ
  • ናቶም ናይ ማሕበረሰብ ወይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምርጫ
  • ናቶም ወሲባዊ ዝንባሌ ወይ መንነት ጾታ

በልጅማዊ ሕጊ

ሕግታት ኣብ ባይቶ ይድመጸሎም። ኣብ በልጅም ሃገራዊ ሃይማኖት የለን፡ ስለዚ እቶም ስርዓታት ወይ ሕግታት ብመጽሓፍ ቅዱስ፡ ቁርኣን፡ ቶራ ወይ ካልእ ሃይማኖታዊ ሕግታት ኣይውሰኑን እዮም።

ቤልጂዩማዊ ቅዋም  ነዚ ዝስዕብ የውሕስ፦

  • ናይቲ መንግስቲ ናጽነት ብዛዕባ ሃይማኖታት ብዝምልከት
  • ሃይማኖታዊ ናጽነትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን (ንሕጊ ብዘይጥሕስ መንገዲ)

ሰራሕተኛታት መንግስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሃይማኖታዊ/ስነ-ሓሳባዊ ክዳውንቲ ወይ ምልክታት (መንዲል ርእሲ፡ መስቀል) ኣብ እዋን ስራሕ ኣይክኽደኑን እዮም። 

ኣብ በልጅም፡ ንገጽ ዝሽፍን ክዳውንቲ (ንኣብነት ኒቃብ ወይ ቡርቃ) ኣብ ህዝባዊ ቦታ ምኽዳን ክልኩል እዩ።