ናይ ሃይማኖት ናጽነት

ኣብ ቤልጅዩም፡ ንዝድላይኩም ሃይማኖት ኰነ እምነት ንኽትስዕቡ መሰል ኣለኩም

ናይ ሃይማኖት ናጽነት

ብደረጃ ኣውራጃ ይኹን ሃገር ከም ወግዓዊ ዝውሰድ ሃይማኖት የልቦን። ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንኽህልወኩም መሰል ኣለኩም። ሃይማኖተኛታት ከይትዀኑ እንተደሊኹም እውን ናጽነት ኣለኩም።

ኩሉ ሳዕ ንእምነትን ርትዕን ናይ ካልኦት ሰባት ኣኽብሩ - ዋላ እውን ንሃይማኖቶም ዘይኣምኑሉ ወይ ኣብ ተግባር ዘየውዕልዎ እንተዀኑ።

ሕጊ ልዕሊ ሃይማኖት ቦታ ይሕዝ።

ሃይማኖትኩም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ሕጊ ኣብ ቅድሚ ሃይማኖት ከም ዝስራዕ ኣስተውዕሉ እዚ ማለት ድማ እንታይ ክትኰኑ ይግባእን ክትኰኑ ኣይግባእን፡ ከምኡ`ውን ብዛዕባ መቕጻዕታዊ ምኽንያት ዝውስን፡ ሕጊ ጥራይ እዩ።

ናብ ቤተ-ክርስትያን ወይ ናብ መስጊድ

ኣብ ነፍሲወከፍ ምምሕዳር ከተማ ወይ ንኡስ-ከተማ፡ ክትሓብሩሉ እትኽእሉ ቤተ-ክርስትያን ኣሎ። ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ቤልጂዩም ክትሰግዱሉ እትኽእሉ መስጊድ ኣሎ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ ትደልዩ ዲኹም፧

ዝቐርበኩም መስጊድ፡ ቤተ-ክርስትያን ድዩስ ካልእ ቦታ ኣምልኾ ኣበይ ከምዝርከብ ንምፍላጥ፡ ንኣሳላጢ/ት ማኽበራዊ ጉዳይኩም ተወከሱ።