ኣብ ቤልጅዩም ዑቕባ፡ ንምርካብ ብኸመይ ተመልክቱ?

ናብ ቤልጅዩም ዝኣትዉ ሰባት ኣብ'ዛ ሃገር ዕቝባ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። ዕቝባ ምሕታት ማለት፡ ኣብ መበቆል ሃገርኩም ምስእትዀኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትኩም ሓደጋ ከጋጥም ስለዝኽእል፡ ኣብ'ዚ ውሕስነት ምሕታት ማለት እዩ።

ሃገረ-ቤልጂዩም ነቲ ን ዓለም-ለኻዊ ዕቝባብዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲ ክትምርምሮ እያ። እዚ ድማ 'መስርሕ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ'ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሃገረ-ቤልጂዩም ዕቝባ ምስእትህበኩም፡ ኵነተ-ሃለዋት ናይ ዕቑባ ስደተኛ ጸዲቑልኩም ኣብ ቤልጂዩም ክትጣየሱ ትኽእሉ ኢኹም። ገረ-ቤልጂዩም ዕቝባ ምስዘይትህበኩም፡ ካብ ቤልጂዩም ክትወጹ ይግባእ።

ሓደ ሰብ ኵነተ-ሃለዋት ናይ ዕቑባ ስደተኛ ክጸድቀሉ ይግባእ ዶ ኣይግባእን ንምውሳን ሃገረ-ቤልጂዩም እትጥቀመሉ መምርሒ ውዕል ጀኔቫእዩ። ነቲ ንዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ብዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲ ዝተፈላለዩ መንግስታውያን ኣካላት እዮም ዝምርምርዎ።

ነዚ ንዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ብዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲ ሓንሳብ ምስኣረከብኩሞ፡ ሕቶኹም ኣብ መስርሕ ክሳብ ዝሃለወ፡ ንዋታዊ ሓገዝ ንኽግበረልኩም መሰል ኣለኩም። እዚ ሓገዝ እዚ፡ እንተላይ ኣብ መቐበሊ ነቝጣ ዝወሃብ መንበሪ ቦታ ዘጠቓለለ እዩ (ከም ልሙድ ኣብ ናይ ሓባር መዕቈቢ ቦታ)።

ኣብ ቤልጂዩም ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽወሃቡ መመልከቲ ዘቕርቡ ሰባት ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይግበረሎምን እዩ።