ንቓለ-መሕትተይ ዝምልከት ዕድመ ናይ ትካል CGVS/CGRA

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንጉዳይኩም ናብ ትካል CGVS/CGRA የመሓላልፎ። ድሕር`ዚ፡ ትካል CGVS/CGRA ቃለ-መሕትት ንኸካይደልኩም ዕድመ ይልእከልኩም።

ሃገረ-ቤልጂዩም ነቲ ንዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ብዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲናይ ምስላጥ ሓላፍነት ምስዝህልዋ፡ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንጉዳይኩም ናብ ትካል CGVS/CGRA የመሓላልፎ።

ትካል CGVS/CGRA ኵነተ-ሃለዋት ናይ ዕቑብ ስደተኛ ድዩስ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባናይ ምኽላእን ምጽዳቕን ስልጣን ዘለዎ ዘይሻርነታዊ ኣካል እዩ። ትካል CGVS/CGRA ውሳኔ ቅድሚ ምውሳዱ፡ ናብ ኣብያተ-ጽሕፈቱ ዓዲሙ ከዛራርበኩም እዩ (ማለት 'ዕድመ'ክልእከልኩም)። ስለዚ ስለምንታይ ናይ መበቆል ሃገርኩም ሓዲግኩም ከምዝወጻእኩም መብርሂ ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም (እዚ 'ውልቃዊ ቃለ-መሕትት'እዩ ዝበሃል)።