ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐተይ ኣብ ዋሎኒያ ወይ ኣብ ብራስልስ ተቐባልነት ከምዝረክብ ንኽገብር

ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት እንተድኣ ረኺብኩምን ኣብ ዋሎኒያ ድዩስ ኣብ ብራስልስ ክትሰርሑ ምስ እትደልዩን፡ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐትኩ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብኸመይ? ምስ ወረቐት ምስክርኩም ተመጣጣንነት ናይ ደረጃ ዘለዎ ወረቐት ምስክር፡ ካብ ፈደሬሽን ዋሎኒያ-ብራስልስ ክትሓቱ ከድልየኩም እዩ።

እዚ ተመጣጣኒነት ናይ ደረጃ ዘለዎ ወረቐት ምስክር፡ ንደረጃ ናይ`ቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተዋብሀኩም ወረቐት ምስክር ትምህርቲ ዝረጋግጽ እዩ።

ካብ ክልተ ኣገባባት፡ ሓደ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም፦

  • ተመጣጣኒነት ደረጃ ትምህርቲ፦ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተዋብሀኩም ወረቐት ምስክር ትምህርቲ ምስ ስርዓተ-ደረጃ ትምህርቲ ናይ ቤልጂዩም (ቀዳማይ ዲግሪ፡ ማስተርስ ወይ ካልእ ደረጃ) ይነጻጸር ማለት እዩ።
  • ገምጋም ተመጣጣኒነት ናይ ወረቐት ምስክር ትምህርትኹም፦ ዝርዝራት ናይ ዝወሰኩሞም ኮርሳት ምስ ናይ ቤልጂዩም ተነጻጺሮም፡ ሓድሽ ደረጃ ትምህርቲ ናይ`ዛ ሃገር ይጸድቀልኩም።

ወጻኢታት ምርግጋጽ ብቕዓታዊ ገምጋም ናይ ምስክር ወረቐት ትምህርቲ፡ ካብ 150 ክሳብ 200 ዩሮ ይበጽሕ። ወጻእተኛታት ኰይኖም ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ዝረኸቡ ወይ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ዝተዋህቦም ሰባት፡ ንወጻኢታት ምርግጋጽ ብቕዓታዊ ገምጋም ናይ ምስክር ወረቐት ትምህርቲ ባዕሎም ክሽፍንዎ ኣይግደዱን እዮም።

ነዚ መስርሕ እዚ ቅድሚ ምጅማርኩም፡ ንፈደሬሽን ዋሎኒያ-ብራስለስ ንኽትውከሱ ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ። እዚ መስርሕ እዚ እተሓላለኸ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ካብ ዞባዊ ማእከል ማሕበራዊ ውህደት (ናይ ዋሎኒያ) ወይ ካብ ማሕበር 'Ciré' (ናይ ብራስለስ) ሓገዝ ምሕታት እውን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።