ናጽነት

ናጽነት ማለት ናይ ገዛእ ርእስኹም ሓሳባትን ርእይቶታትን ዘለኩም፡ ከምኡ'ውን ገዛእ ርእስኹም ናይ ምክልኻል፡ ሃይማኖትኩም ናይ ምምራጽ፡ መጻምድኹም ናይ ምምራጽ መሰል ኣለኩም ማለት እዩ።

ናጽነት ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ እዩ

ኣብ በልጅማዊ ሕጊ ዝሰፈሩ ዝተፈላለዩ ናጽነታት ኣለዉ፥

  • ናይ ሃይማኖት ናጽነት፥ ዝኾነ ሃይማኖት ናይ ምህላው፡ ወይ ኣምላኽ ኣሎን የለን ርግጸኛ ናይ ዘይምዃን ናጽነት።
  • ናጽነት ናይ ትምህርቲ፥ ወለዲ ናይ ደቆም ስርዓተ ትምህርቲ ክመርጹ ናጻ እዮም
  • ናጽነት ፕረስ፥ ጋዜጣታትን ካልእ ናይ ጋዜጠኝነት ማዕከናት ሳንሱር ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም
  • ናጽነት ናይ ሓስብካ ምግላጽ፥ ናጽነት ምግላጽ ናይ ገዛኣ ርእስኻ እምነታት
  • ናይ ምእካብን ምሕባርን መሰል
  • ናጻ ምርጫ ናይ መጻምዲ፥ ግዱድ መርዓ ኣብ በልጅም ገበናዊ በደል እዩ፡ መሰል ናይ ሓደ ዝጾትኦም መርዓ
  • ውልቃዊ መሰል ናይ ርእሰ ውሳነ፥ ኣብ በልጅም ምስዳድ ጥንስን ካብ ስቓይ ንምግልጋል ምቕታልን ኣብ ትሕቲ ውሱናት ኲነታት ክካየዱ ይኽእሉ

ደረታት ናይ ናጽነት ናይ ኣነባብራ

ናጽነት ደረታት ኣለዎ። በልጅም ንስኹም ንተግባራትኩም ሓላፍነት ክትስከሙ ትጽበየኩም።

ናይ ገዛኣ ርእስኹም ኣነባብርራ ክትመርጹ ናጽነት ኣለኩም ግን ሓድሓደ ግዜ ውሱናት ጠባያት ወይ ክዳውንቲ ዘይምርዳእ፡ ዘይምድጋፍ ወይ ምኽልካል ክገጥሞም ይኽእል። ገለ ኣብነታት፥

  • ጥራይ ነብስኻ ኮይንካ ምኻድ (ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክልኩል እዩ)
  • ምስካር (ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክልኩል እዩ)

ደረታት ንናጽነት ሃይማኖት

  • ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣለኩም፡ ግን ነቶም ኣብቲ መቐበሊ ማኣከል ወይ ኣብቲ ከባብያዊ ተበግሶ ነቐበሊ ዘለዉ ሕግታት ናይ ብሓባር ምንባር ኣብ ግምት ክተእትውዎም ኣለኩም።
  • ኣብ ምንጽብራቕ ሃይማኖትኩም ደረታት ኣለዉ።
  • ቡርቃ (ኣስላም ዝኽደንኦ ንምሉእ ሰብነት ዝኸድን ክዳን) ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምኽዳን ክልኩል እዩ።
  • ሃይማኖታዊ ክዳውንቲ ወይ ምልክታት፡ ከም መንዲል ርእሲ፡ ኣብ ገለ ኣብያተ-ትምህርትን ናይ ስራሕ ቦታታትን ምኽዳን ክልኩል እዩ።

ደረታት ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ

ናጽነት ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ደረት-ኣልቦ መሰል ኣይኮነን። እቲ ሕጊ ደረታት የነጽር እዩ፥

  • ክልከላ ብዛዕባ ኣፈላላይ ዘርእን ኣድልዎን (ናይ ጸረ-ኣፈላላይ ዘርኢ ከምኡ'ውን ጸረ-ኣድልዎ ሕጊ)
  • ክልከላ ብዛዕባ ጸረ-ሴምነት (ሕጊ ብዛዕባ ምኽሓድ ህልቂት ኣይሁድ)
  • ክልከላ ብዛዕባ ጽልኢ ንተመሳሳሊ ጾታ ኣብ ወሲብ ዝመርጹ ሰባት
  • ካልእ ሃይማኖታት ክተኽብሩ ኣለኩም