ማዕርነት

ኣብ ቤልጅዩም፡ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዮም። ንሳቶም ሓደ ዓይነት መሰላት ኣለዎም። ንደቂ-ኣንስትዮ ሓደ ዓይነት መሰላት ዘይምሃብ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ከምኡ'ውን፡ ንዝኾነ ሰብ፡ ብመሰረት መበቆል፡ ወሲባዊ ዝንባለ ወይ ሃይማኖት፡ ኣድልዎ ምርኣይ ኣይክኣልን እዩ።

ኣድልዎ ምርኣይ ኣብ በልጅም ክልኩል እዩ

ክሎም በልጅማውያን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዮም። ንሓደ ሰብ በዞም ዝስዕቡ መሰረት ኣድልዎ ምርኣይ ኣይክኣልን እዩ፥

  • ጾታ (ወድባዕታይ ወይ ጓለንስተይቲ ምዃን)
  • ዘርኢ ወይ ሕብሪ ቖርበት
  • መበቆል (ዜግነት)
  • ወሲባዊ ዝንባለ (ንጾታዊ ርክብ ደቅተባዕትዮ ወይ ደቀንስትዮ ምምራጽ)
  • ትውልዲ
  • ዕድመ
  • ሃይማኖት
  • ስንክልና

ማዕርነት ጾታ

  • ኣብ በልጅም፡ ደቅተባዕትዮን ደቀንስትዮን ናብ ቤት-ትምህርቲ ክከዱ፡ ስፖርት ክጻወቱ፡ ክሰርሑ፡ ጾታዊ ርክብ ክገብሩ፡ ወዘተ ይፍቀደሎም እዩ።
  • ደቀንስትዮን ደቅተባዕትዮን መጻምዶም ክመርጹ ነጻ እዮም (ደቅተባዕትዮ ወይ ደቀንስትዮ)።
  • ልክዕ ከም ደቅተባዕትዮ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ሰብነተን እንታይ ክገብራ ከምዝደልያ መሰል ኣለወን (መን ክትንክፈን ከምዝኽእል፡ ምስ መን ርክብ ከምዝደልያ፡ ወዘተ)።
  • ልክዕ ከም ደቅተባዕትዮ፡ ደቀንስትዮ ምሉእ ንምሉእ ናጻ ኮይነን ክዋስኣ፡ መኪና ክዝውራ፡ ናይ ባንኪ ሕሳብ ክኸፍታ ይኽእላ።
  • ልክዕ ከም ደቅተባዕትዮ፡ ደቀንስትዮ ክሰርሓ ይኽእላ። ደቀንስትዮ ዝኾነ ስራሕ ክሰርሃ ይፍቀደለን እዩ፡ ስለዚ ንሳተን ዶክተራት፡ መኮንናት ፖሊስ፡ ጠበቓታት ወይ ደያኑ ክኾና'ውን ይኽእላ።
  • ደቅተባዕትዮ'ውን ዝኾነ ስራሕ ክሰርሑ ይፍቀደሎም እዩ፡ ከም ኣለይቲ ሕሙማትን ኣጽረይትን ኮይኖም ክሰርሑ'ውን ይኽእሉ።