ምዝዋር ብሽክለታ ኣብ ቤልጂየም
ናብ ርሑቕ ክትከዱ ዘይትደልዩ እንተኾይንኩም፡ ብሽክለታ ምዝዋር ሕሱርን ቅልጡፍን ፍታሕ ናይ ጒዕዞ እዩ።
ኣበይ ብሽክለታ ክትዝውሩ ትኽእሉ?
- ኩሉግዜ ኣብቲ ንብሽክለታ ዝፍቀድ መገዲ ምዝዋር የድልየኩም። ናይ ብሽክለታ መገዲ፡ በቲ ተቛራራጺ ናይ ጽርግያ ምልክታት፡ በቲ ኣብቲ መገዲ ዘሎ ቀይሕ ሕብሪ፡ ወይ በቲ ናይ ብሽክለታ ምልክት ክተለልይዎ ትኽእሉ።
- ናይ ብሽክለታ መገዲ ዘየለ እንተኾይኑ፡ ኩሉግዜ የማን ናይቲ ጎደና ሒዝኩም ክትዝውሩ ትኽእሉ።
- ኣብቲ ማርሻበዲ ብሽክለታ ክዝውሩ ዝፍቀደሎም ቆልዑ ጥራይ እዮም።
ድሕነት
ብሽክለታ ክትዝውሩ ከለኹም፡ ነዚ ዝስዕብ ኣቓልቦ ክትገብሩ ይግባእ፦
- ኣብ ጸልማት ብሽክለታ ኣብ ትዝውርሉ እዋን ኩሉግዜ መብራህቲ ወልዑ።
- መከላኸሊ ቆቢዕ/ካስኮ ዉደዩን መብራህቲ ዝውላዕ ጅለ ልበሱን።
- ኣብ ትጥወይሉ እዋን ኩሉግዜ መካይን ርኣዩ።
- ኣብ ትጥወይሉ እዋን፡ መጀመርታ ናብቲ ክትጥወይሉ ትደልዩ ዘለኹም ኣንፈት ብኢድኩም ገይርኩም ኣመልክቱ።
- ብሽክለታ ትዝውሩ እንተኾይንኩም፡ ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዩ።
- ኣብ ብሽክለታኹም ኮይንኩም ንምድዋል ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ንምስዳድ ተነቀሳቓሲት ተሌፎንኩም ኣይትጠቐሙ።
- ቆልዑ ኣብቲ መጽዓን ሳንጣ ናይታ ብሽክለታ ክኾኑ ኣይፍቀድን'ዩ፣ ንሳቶም ምስታ ብሽክለታ ኣብ ዝተላገበ ፍሉይ መንበር ክኾኑ የድሊ።
ብሽክለታ ምዝዋር ተመሃሩ
ብሽክለታ ኣብ ምዝዋር ሓደሽቲ ዲኹም? ነቲ ኣብቲ ቪድዮታት ዘሎ ናይ ደረጃ ብደረጃ ውጥን ተኸተሉ ከምኡ ድማ ብዘዘናግዕን ውሑስን መገዲ ብሽክለታ ምዝዋር ተመሃሩ።
1 መማር ብብሽክሌታ
2 ችሎታታት ብመንገዲ
ሕግታት ትራፊክ
ብሽክለታ ክትዝውሩ ትኽእል ዲኹም ከምኡ እውን ኣብ ጽርግያ ብሽክለታ ትዝውሩ ዲኹም? ከምኡ እንተኾይኑ ሕግታት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ዝስዕቡ ቪድዮታት ንሕግታት ትራፊክ ተጠቀምቲ ብሽክለታ ይገልጹ።
3 ሕግታት ትራፊክ
4 ቦታኹም ኣብ ጽርግያ
5 ኣብኻ መብሽክሌታ ትብሽካን ዘይትብሽካን
6 ሕግታት ቅዳሜ
7 መድርሻ መንገዲ
8 ፖሊሶ ዓለምንቲ
9 መሸውም ፍልይ
10 ማዕሸቢ መንገዲ
11 መንገዲ መስጥራሕ
12 ተለዋዋጭ ክልልን ምልክታት መንገዲ
13 ባቡርን ኣውቶቡስን
14 መስቀል መበዝል
15 ሕጋዊ ምግዛእ ብሽክሌትካ
16 ኣብታዊ ደጋግሞታት ብመንገዲ ክትረዳ