ዳግመ-ምጥያስ ዕቑባት ስደተኛታት ኣብ ቤልጂዩም

 ገለ ዕቑባት ስደተኛታት ብምኽንያት ዳግመ-ምጥያስ እዮም ናብ ቤልጂዩም ዝኣትዉ።

እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ኢርውሮጳ ወጻኢ ዝመጹ እዮም ብUNHCR, እቲ United Nations Refugee Agency (ወኪል ስደተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት) ከኣ ዝተፈልጡ እዮም። ብበልጅም ድሕሪ ምምርማሮም፡ እቶም ዝተሓርዩ ሰባት ናይ ሓለዋ ደረጃ ኣብ በልጅም ይውሃቦም፡ ኣብታ ሃገር ከኣ ብቐዋሚ ክነብሩ ይኽእሉ።  

ኣብ ቤልጂዩም ዳግማይ ክጣየሱ ዝኽእሉ ሰባት ከመይ ዝኣመሰሉ እዮም?

በልጅም መጀመርታ ብዝሒ ናይቶም ሰባትን ካበየኖት ሃገራት ክትወስድ ከምትደልን ትውስን። UNHCR ብድሕሪኡ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ቀንዲ ተነቀፍቲ ስደተኛታት የለሊ።

እቲ CGVS/CGRA ከምኡ ድማ ፈዳሲል ነቶም ስደተኛታት ኣብቲ ዘለውዎ ቦታ ይረኽብዎም። እቲ CGVS/CGRA ንጠለቦም ንዓለም-ለኻዊ ሓለዋ ይግምግሞ። ፈዳሲል ነቲ ሕክምናዊ ምምማይ/መርመራ የካይድ፡ ነቶም ስደተኛታት ነቲ ቀጻሊ ጽንሖኦም ኣብ በልጅም የዳሉ፡ ከምኡ ድማ ጉዕዞኦምን ምቕባሎምን ኣብ በልጅም ይውድብ። 

ካብ 2013 ኣትሒዙ፡ እቶም ዝበዝሑ ናብ በልጅም ዝመጹ ሰባት ኣብ ዮርዳኖስ፡ ቱርክን ሊባኖስን ዝነበሩ ሶርያውያን እዮም። ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት (ኮንጎ፡ ቡሩንዲ፡ ኡጋናዳ) ከምኡ ድማ እቲ ማእከላይ መዲተራንያን መገዲ (ሊብያ) እውን ሓለዋ ተዋሂብዎም።
 

ዳግመ-ምጥያስ ነቶም ድሮ ኣብ ቤልጂዩም ወይ ኣብ ካልእ ክዳል ኤውሮጳ ዘለዉ ዕቑባት ስደተኛታት ዝኸውን ኣማራጺ ኣይኰነን።