ዝተፈላለያ ሃይማኖታት

ኣብ በልጅዩም፡ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ስነ-ሓሳባትን ኣለዉ። እቲ ዝዓበየ ሃይማኖት ክርስትና እዩ። ሃይማኖታውያን ዘይኮኑ ብዙሓት ሰባት'ውን ኣለዉ።

ሃይማኖታት

ኣብ በልጅም፡ ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣብ እምነቱ ክነጥፍ ናጻ እዩ። ስለዚ፡ ብዙሓት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣለዋ።

እዚ ዝስዕብ ሃይማኖታዊ ኣምልኾ ብወግዒ ኣፍልጦ ዝረኸበ እዩ፥

  • ኣምልኾ ሮማዊ ካቶሊክ
  • ኣምልኾ ኦርቶዶክስ
  • ኣምልኾ ቤተኽስያን እንግሊዝ
  • ኣምልኾ ከንሻ
  • ኣምልኾ ምስልምና
  • ኣይሁዳዊ ኣምልኾ

በዓላት

ኣታ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ታሪኽ በልጅም ኣዝያ ኣገዳሲት ስለዝነበረት፡ ገና ብዙሕ ናይ ካቶሊክ በዓላት ኣለና፡ ንፋሲካን ልደትን ዘጠቓለለ። ኣብዞም በዓላት እዚኦም መብዛሕትአን ድኳናትን ኣብያተ-ትምህርትን ዕጹዋት እየን። ከምኡ'ውን መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ እዋን በዓላት ምስራሕ ኣየድልዮምን።

ካልእ ሃይማኖታት'ውን የብዕሉ እዮም፡ ግን መብዛሕትአን ድኳናት ክፉታት ኮይነን ይቕጽላ ከምኡ ድማ ሰባት ክሰርሑ ኣለዎምን ቆልዑ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ኣለዎምን።