ዝተፋላለያ ትካላት ትምህርቲ ናይ ቤልጂዩም

ኣብ ቤልጂዩም፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ብመንጽር ጕጅለ ዕድመ እየን ዝፈላለያ።

  • ቅድመ-ትምህርቲ፦ ካብ 2.5 ክሳብ 5 ዓመት ዕድመ
  • መባእታዊ ትምህርቲ፦ ካብ 6 ክሳብ 11 ዓመት ዕድመ
  • ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፦ ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት ዕድመ

ቅድመ-ትምህርቲ (ካብ 2.5 ክሳብ 5 ዓመት ዕድመ)

ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ናብ መውዓሊ ህጻናት ክኸዱ ኣይግደዱን እዮም። ኣብኡ ዝርርባዊ ቋንቋ ንኽመልኩ ባይታ ስለዝረኽቡ ግን፡ ከም ልምዲ ናብ ትካል ቅድመ-ትምህርቲ ይመላለሱ እዮም። ብዛዕባ ሰንዓ፡ ስእልን ኣገባብ ጸወታን እውን ፍልጠት ይቐስሙ እዮም ...

ቤት-ትምህርቲ ደቅኹም ቋንቋ ከጽንዑሉ ዝኽእሉ ዝበለጸ ቦታ እዩ። 

ኣብ 1 መስከረም ናይቲ ቆልዓኹም 5 ዓመት ዝገብረሉ ዓመት፡ ቆልዓኹም ናብ መውዓሊ ህጻናት ክኸይድ ኣለዎ። እንተድኣ ቆልዓኹም ኣብ ቋንቋ-ሆላንድ ዝዛረብ ቤት-ትምህርቲ ዝሳተፍ ኮይኑ'ሞ ኣብ 6 ዕድሚኡ ከኣ ቋንቋ ሆላንድ ዘይክእል ኮይኑ፡ እቲ ቤት-ትምህርቲ ንቆልዓኹም ንሓደ ተወሳኺ ዓመት ናብ መውዓሊ ህጻናት ክሰዶ ይኽእል (ኣብ ክንዲ መባእታ ቤት-ትምህርቲ)

መባእታዊ ትምህርቲ (ካብ 6 ክሳብ 11 ዓመት ዕድመ)

ንደቅኹም ኣብ`ቲ መጀመርታ ክመሃሩሉ ወይ ክቕየሩሉ ዝግባእ ቤት-ትምህርቲ ከተመዝግብዎም ግዴታዊ እዩ። ንውላድኩም ዝመሃረሉ ቤት-ትምህርቲ ክትመርጹሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ መባእታ ትምህርቲ ን 6 ዓመታት እዩ ዝቕጽል። ደቅኹም ናብ ዝቕጽል ደረጃ ክፍሊ ንኽሰግሩ፡ መሕለፊ ረቛሒታት ትምህርቲ ከማልኡ ይግባእ።

ኣብ መባእታ ዝመሃሩ ዓውድታት ትምህርቲ፦

  • ስነ-ቍጽሪ
  • ምንባብን ምጽሓፍን
  • ማሕበራዊ ሌላ (ጂኦግራፊ፡ ባዮሎጂ፡ ስነ-ፍልጠት ትራፊክ...)
  • ትምህርቲ ምንቅስቓስ ኣካላት - እንተላይ ምሕምባስ

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት ዕድመ)

ደቅኹም፡ ድሕሪ ናይ መባእታ ትምህርቲ፡ ናብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ እዮም ዝሰግሩ እዚ ሓድሽ ቤት-ትምርህቲ ስለዝኸውን፡ ንደቅኹም ዳግማይ ከተመዝግብዎም ከድልየኩም እዩ። ንውላድኩም ዝመሃረሉ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ክትመርጹሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ እውን ን 6 ዓመታት እዩ ዝቕጽል። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ነኣሽቱ መንእሰያት ፍሉይ ትምህርቶም (ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ) ንምቕጻል ይዳለዉ ወይ ድማ ሓደ ሞያ ይቐስሙ።

ዝተፈላለዩ ዓውድታት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ እዮም ዘለዉ (ስእላዊ ሓበሬታ ተመልከቱ)፦

  • ሓፈሻዊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (aso)፦ ንነኣሽቱ መንእሰያት ንላዕለዋይ ትምህርቲ ድሉዋት ይገብሮም
  • ጥበባዊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (kso)፦ ነኣሽቱ መንእሰያት ኣብ መዳይ ጥበብ ናይ ዝተፈላለዩ ሞያታት (ሳዕስዒት፡ ቲያትር፡ ቅብኣ፡ ሙዚቃ ወዘተ) ድሉዋት ኰይኖም ንኽወጹ የኽእል።
  • - ቴክኒካዊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (tso)፦ ነኣሽቱ መንእሰያት ብዛዕባ ቴክኒካዊ ወይ ቍጠባዊ ዓውደ-ሞያታት ዝመጸ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ድሉዋት ይገብሮም፤ ወይ ድማ ብዓውድታት ኤሌክትሪክ፡ ጽርበት ዕንጸይቲ ወይ ቱሪዝም ንኽሰርሑ የዳልዎም።
  • - ስነ-ኪነታዊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (bso)፦ ንነኣሽቱ መንእሰያት ብመንጽር ዕድል ስራሕ እተቓነየ ሞያ የምህር።

ፍሉይ ትምህርቲ

ገለ ተማሃሮ ስሩዕ ትምህርቲ ክከታተሉ ኣይክእሉን እዮም

  • - ንኽመሃሩ ጸገም ክህልዎም ይኽእል
  • - ምስ ስነ-ባህርይ ዝተኣሳሰር ጸገም ክህልዎም ይኽእል
  • - ስንክልና ክህልዎም ይኽእል (ናይ ምርኣይ፡ ናይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ናይ ምስማዕ)

እዞም ህጻናት እዚኣቶም ፍሉይ መሰረታዊ ጠለባት ኣገልግሎት ከማልኣሎም ኣብ ዝኽእላ ኣብያተ-ትምህርቲ ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንጽጉማት ደቅኹም ኣብ`ዘን ፍሉይ መሰረታዊ ጠለባት ኣገልግሎት ከማልኣ ዝኽእላ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኸተመዝግብዎም፡ ካብ`ዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ኣካላት ወረቐት ፍቓድ ከተውጽኡሎም ኣድላዪ እዩ፦