ማእከላት መምርሒታት/ምኽሪ ንተማሃራይ

ነፍሲወከፍ ኣብ ፍላንደርስ እትነጥፍ ወግዓዊ ተቐበልነት ዘለዋ ቤት-ትምህርቲ፡ ምስ ቅለሳዊ ማእከል ምኽሪ ተማሃሮ (CLB/PMS)ብምትሕብባር እያ ትሰርሕ። ወለድን ተምሃሮን፡ ብዛዕባ ምምሃር፡ ትምህርትን ጥዕናን ዝምልከቱ ሕቶታት ሒዞም ናብኡ ብዘይ ክፍሊት ክኸዱ ይኽእሉ።

ዶክተራት፡ ስነ-ኣእምሮኛታትን ኣለይቲ ሕሙማትን ኣብቲ ማእከላት ምኽሪ ተምሃራይ ይሰርሑ። ንሳቶም ንተምሃሮ ኣብ ሕክምናዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጸገማቶም ይሕግዝዎም።

ጥዕና

እቲ CLB/PMS ክሎም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዘለዉ ቆልዑ ነቶም ኣድለይቲ ክታበታት ኣንጻር ሕማም ምርካቦም የረጋግጽ። ሓደ ዶክተር ወይ ኣላዪ ሕሙም ንትርኢት ዓይኒ፡ ምስማዕ፡ ሕቖን ክብደትን እቶም ቆልዑ ይምርምር።

ሕክምናዊ ምኽርታትን ክታበታትን ካብ ክፍሊት ናጻ እዮም ኣብ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ድማ ይካየዱ (ኣብ ዕድመ 3፡ 9፡ 11 ከምኡ'ውን 14)። ከም ወላዲ መጠን፡ ንስኻ/ኺ ብዛዕባ እዞም ምኽርታት እዚኦም ጸብጻብ ወይ መልእኽቲ ክትቅበሉ ኢኹም።

ምምሃርን ምጽናዕን

እቲ CLB/PMS ኣብ ምምሃር ወይ ምጽናዕ ጸገማት ንዘለዎም ቆልዑ'ውን ይሕግዝ። ንሳቶም ንቖልዑ ኣብ ልምምዳት ይሕግዝዎም እቲ ቆልዓ ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮን ኣብ ንቡር ቤት-ትምህርቲ ክሳተፍ ድማ ዘይክእል እንተኾይኑ ኸኣ ናብ ፍሉይ ትምህርቲ ይልእኽዎን። ብዛዕባ ምርጫ ናይ እተጽንዕዎ ዓውደ-ትምህርቲ ሓገዝ ምስእትደልዩ እውን ንትካል CLB/PMS ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጥዕና

እቲ CLB/PMS ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ኣብ ገዛ ሕጉት ንዘይኮኑ፡ ወይ ጸገማት ንዘለዎም ቆልዑ (ምትቃም ሓሽሽ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ፡ ግፍዒ፡ ታህዲድ፡ ወዘተ) ይሕግዝ። ስነ-ኣእምሮኛታት ምስቶም ቆልዑ ይዘራረቡን መፍትሒታት ይደልዩን፡ ብሓባር ምስታ ቤት-ትምህርትን እቶም ወለድን ብምዃን።

ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ ትደልዩ ዲኹም፧

ናይ ቆልዓኹም ቤት-ትምህርቲ እታ ናይ መጀመርታ ምስኣ ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ እያ። እታ ቤት-ትምህርቲ ብሓፈሻ ንኣኹም ወይ ንውላድኩም ክትሕግዘኩም ትኽእል እያ። ኣብ ገለ እዋናት ሓገዝ ናይ ትካል CLB/PMS ክትጽውዕ እያ።