ውሕስነት ዘለዋ መበቆል ሃገር

ቤልጂዩም፡ ብመሰረት መሰል/ኵነተ-ውሕስነት መነባብሮ ናይ ዜጋታተን ከም `ውሕስነት ዘለወን` ገይራ እትወስደን ሃገራት ኣለዋ።

`ውሕስነት ዘለዋ` እትበሃል ሃገር ከመይ ዝኣመሰለት እያ?

ውሕስነት ስለዘለዋ ካብ`ዚ ናብኣ ክትምለሱላ እትኽእሉ ዓይነት ሃገር። ውሕስነት ኣለዋ ካብ እትበሃል ሃገር እንተመጺእኩም፡ ትካል CGVS/CGRA ነቲ ንዕቝባ ብዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲ ብዝያዳ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክምስርሖ እዩ።

ኣብ`ዚ እዋን እዚ ከም ውሑሳትዝቝጸራ 8 ሃገራት ኣለዋ፦

  • ኣልባኒያ
  • ቦዝኒያ-ሄርዞጎቪና
  • ጆርጂያ
  • መቀዶኒያ
  • ኮሶቮ
  • ሞንቶኔግሮ
  • ሰርቢያ
  • ህንዲ

እዚ ዝርዝር ሃገራት እዚ ምስ ምልውዋጥ ውሽጣዊ ኵነታት ናይ`ዘን ሃገራት እዚኣተን ክቀያየር ዝኽእል እዩ።