እንቋዕ ናብቲ ማእከል መጻእተኛታት ብድሓን መጻእኩም

እንቋዕ ናብቲ ኣብ ብራስልስ ዝርከብ ማእከል መጻእተኛታት ትካል ፌዳሲል ብድሓን መጻእኩም። እዚ፡ ሰባት ኣብ ቤልጅዩም ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽግበረሎም ሕቶ/ምልክታ ዘቕርብሉ ቦታ እዩ። 

  1. ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽግበረልኩም ንእተቕርቡዎ መመልከቲ፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግረሽን ከተመዝግቡዎ ኢኹም።
ምዝገባ ናይ መመልከቲ ዑቚባ
ምዝገባ ናይ መመልከቲ ዑቚባ

2. ኣብ ፌዳሲል፡ ማሕበራውን ሕክምናውን ተፍትሽ ጥዕና ወይ ስክሪኒን ክትገብሩ ኢኹምl.

ጉጅለ ፌዳሲል፡ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንዘለኩም መሰልን ከምኡ ድማ ንኩነታት ጥዕናኹምን ከረጋግጾ እዩ።

ገዛእ ርእስኹም ምእንቲ ክትቅርቡ፡ ነዚ ዝስዕብ ቪድዮታት ተዓዘብዎ።

ማሕበራዊ ተፍትሽ ጥዕና ወይ ስክሪኒን
ተፍትሽ ጥዕና ወይ ስክሪኒን ሕማም ዓባይ ሰዓል
ክታበት

3. ብሰራሕተኛ ፌዳሲል፡ ውልቃዊ ኩነታትኩምን መሰላትኩምን ክግለጸልኩም እዩ 

ገዛእ ርእስኹም ምእንቲ ክትቅርቡ፡ ነዚ ዝስዕብ ቪድዮታት ተዓዘብዎ። ኣብ እዋን ቃለ-መጠይቕ፡ ሕቶ ንኽትሓቱ ናጽነት ይሰማዕኩም!

መሰል ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ

ብዛዕባ'ቲ ትመጽእሉ መዓልቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትፈልጡ ትደልዩ ዲኹም? ነቲ በራሪ ናይ ወረቐት ጽሑፍና ኣንብቡዎ ናብቲ ማእከል መጻእተኛታት እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም።ሕቶ ኣለኩም ድዩ?

ብቐጥታ መጺእኩም ተዛረቡና!