ምዝዋር ብሽክለታ ኣብ ቤልጂዩም

ናብ ርሑቕ ክትከዱ ዘይትደልዩ እንተኾይንኩም፡ ብሽክለታ ምዝዋር ሕሱርን ቅልጡፍን ፍታሕ ናይ ጒዕዞ እዩ።

ኣበይ ብሽክለታ ክትዝውሩ ትኽእሉ፧

  • ኩሉግዜ ኣብቲ ናይ ብሽክለታ መገዲ ምዝዋር የድልየኩም። ናይ ብሽክለታ መገዲ በቲ ተቛራራጺ ናይ ጽርግያ ምልክታት፡ ኣብቲ መገዲ ብዘሎ ቀይሕ ሕብሪ፡ ወይ በቲ ናይ ብሽክለታ ምልክት ክተለልይዎ ትኽእሉ።
  • ናይ ብሽክለታ መገዲ ዘየለ እንተኾይኑ፡ ኩሉግዜ የማን ናይቲ ጎደና ሒዝኩም ክትዝውሩ ትኽእሉ።
  • ኣብቲ ማርሻበዲ ብሽክለታ ክዝውሩ ዝፍቀደሎም ቆልዑ ጥራይ እዮም።

ኣብ ጽርግያ ተሽከርከርቲ ብሽክለታ ምዝዋር ክልኩል እዩ። እዚ ንድሕነትኩም እዩ!

ድሕንነት

ብሽክለታ ኣብ ትዝውርሉ እዋን፡ ነዞም ዝስዕቡ ኣቓልቦ ሃብዎም፥

  • ኣብ ጸልማይ ብሽክለታ ኣብ ትዝውርሉ ኩሉግዜ መብራህቲ ወልዑ።
  • ቊራዕ ርእስን ተወላዒ ጅለን ተኸደኑ።
  • ኣብ ትጥወይሉ እዋን ኩሉግዜ መኻይን ርኣዩ።
  • ኣብ ትጥወይሉ እዋን፡ መጀመርታ ናብቲ ክትጥወይሉ ትደልዩ ዘለኹም ኣንፈት ኢድኩም ገይርኩም ኣመልክቱ።
  • ብሽክለታ ትዝውሩ እንተኾይንኩም ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዩ።
  • ኣብ ብሽክለታኹም ኮይንኩም ንምድዋል ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ንምስዳድ ተነቀሳቓሲት ተሌፎንኩም ኣይትጠቀሙ።
  • ቆልዑ ኣብቲ መጽዓን ሻንጣ ክኾኑ ኣይፍቀድን'ዩ፡ ንሳቶም ኣብ ምስታ ብሽክለታ ዝተላገበ ፍሉይ መንበር ክኾኑ የድሊ።
ቅድድም ብሽኽለታ

ናይ ብሽክለታ መዕጸዊ

ብሽክለታኹም ኣብ ትዕሽግሉ እዋን፡ ንብሽክለታኹም ኩሉግዜ ብሰንሰለት ወይ መዕጸዊ ብሽክለታ ገይርኩም ዕጸውዋ። ኣብ በልጅም ብሽክለታት ብዙሕ ግዜ ይስረቓ እየን!

ብሽክለታኹም ንጽርግያ ብቑዓት ክኾና ኣለወን

ብሕጋዊ መንገዲ ንምዝዋር፡ ብሽክለታኹም ንጽርግያ ብቑዓት ክኾና ኣለወን።

  • ቃጭል
  • ጽኑዕ ልጓማት ኣብ ቅድሚትን ድሕሪትን
  • ጻዕዳ ወይ ብጫ መብራህቲ ኣብ ቅድሚት ከምኡ ድማ ቀይሕ መብራህቲ ኣብ ድሕሪት
  • ጻዕዳ ኣንጸባረቒ ኣብ ቅድሚት ከምኡ ድማ ቀይሕ ኣንጸባረቒ ኣብ ድሕሪት
  • ኣንጸባረቕቲ ኣብቶም መርገጺታት
  • ኣንጸባረቕቲ ኣብቶም መንኮርኮራት ወይ ጎማታት፡ ምስ ዘንጸባርቕ ደንደስe