ምምሃር ቋንቋ ሆላንድ
ኣብ Flanders ንትምህርቲ ቋንቋ ምምዝጋብ
- ምስ Agentschap Integratie ከምኡ'ውን Inburgering ቆጸራ ሓዙ። ኣብቲ ናይ ምቕባል ቃለ-መሕትት፡ ሓደ ኣባል ሰራሕተኛታት ነቲ ብዝበለጸ ዝሰማማዓኩም ኮርስ ኣብ ምርካብ ክሕግዘኩም እዩ።
- እቲ ኣባል ሰራሕተኛ ድሮ ትፈልጥዎም ቋንቋታት ኣየኖት ምዃኖም፡ ኣየኖት ዲፕሎማታት ከምዘለውኹም፡ ነቲ ቋንቋ ስለምንታይ ክትምሃርዎ ከምዝደለኹም፡ ብዙሕ ግዜ ኣለኩም ድዩ የብልኩምን ክሓተኩም እዩ። ሓድሓደ ግዜ ናይ ቋንቋ ክእለትኩም ንምርግጋጽ መርመራ ምውሳድ የድልየኩም እዩ።
- ድሕር'ቲ ቃለ-መሕተትን እቲ መርመራን፡ እቲ ማእከል ቋንቋ ሓደ ኮርስ ክእምም እዩ።
ኣብ Brussels ኣብ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ምምዝጋብ
ኣብ Brussels ቋንቋ ሆላንድ ምምሃር ብመገዲ "Het Huis van het Nederlands" ይከኣል እዩ።
ናይ ቋንቋ ትምህርትታት ክንደይ ገንዘብ የኽፍሉ?
ኣመልከትቲ ናይ ኣህጉራዊ ሓለዋ ንናይ ቋንቋ ኮርሳት ናይ ምዝገባ ክፍሊት ምጉዳል ክረኽቡ ይኽእሉ።
ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ትቕመጡ እንተደኣ ሃሊኹም፡ ቅድሚ ምምዝጋብኩም ክንደይ ክትከፍሉ ከምዘለኩም ንናትኩም ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ሕተትዎ።
ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ዘይትቕመጡ እንተደኣ ሃሊኹም፡ Fedasil ንናይ ቋንቋ ኮርስኩም ኣይከፍልን እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ክፍሊት ምዝገባ ኮርስ ቋንቋ ምጉዳል ዋጋ ንምርካብ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ንምምልካት ካብ Fedasil ምስክር ወረቐት ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ምስክር ወረቐት ንምርካብ፡ ኢ-መይል ናብ infopoint_attesten@fedasil.be ለኣኹ ከምኡ'ውን ጥብቆ 26 ምስኡ ኣተሓሒዝኩም ስደዱዎ።