ምምሃር ቋንቋ ሆላንድ

ኣብ ፍላንደርስ - ኣብ ናይ ቋንቋ ስልጠና ምምዝጋብ

  • ምስ ትካል Agentschap Integratie & Inburgering ቈጸራ ሓዙ። ኣብቲ ናይ ምቕባል ቃለመጠይቕ፡ ሓደ ኣባል ሰራሕተኛታት ነቲ ብዝበለጸ ዝሰማማዓኩም ኮርስ ኣብ ምርካብ ክሕግዘኩም እዩ።
  • እቲ ኣባል ሰራሕተኛ ድሮ ትፈልጥዎም ቋንቋታት ኣየኖት ምዃኖም፡ ኣየኖት ዲፕሎማታት ከምዘለውኹም፡ ነቲ ቋንቋ ስለምንታይ ክትምሃርዎ ከምዝደለኹም፡ ብዙሕ ግዜ ኣለኩም ድዩ የብልኩምን ክሓተኩም እዩ። ሓድሓደ ግዜ ናይ ቋንቋ ክእለትኩም ንምርግጋጽ መርመራ ምውሳድ የድልየኩም እዩ።
  • ድሕር'ቲ ቃለመጠይቕን እቲ መርመራን፡ እቲ ማእከል ቋንቋ ሓደ ኮርስ ክእምም እዩ።

ኣብ ብራስለስ - ኣብ ናይ ቋንቋ ስልጠና ምምዝጋብ

ኣብ ፍላንደርስ ኴንካ ስልጠና ቋንቋ ዳች ምውሳድ ዝከኣል፡ በመገዲ ትካል "Het Huis van het Nederlands" እዩ።