መርዓን ካልእ ዝምድናታትን

ኣብ ቤልጅዩም፡ መርዓ ኣብ ናጻ ምርጫ ናይ ሰባት ዝምርኮስ ተመኵሮ እዩ። ክትምርዓዉ ዲኹም ኣይክትምርዓዉን፡ ምስ መን ከ ኢኹም እትምርዓዉ፡ ባዕልኹም እትውስንዎ ጉዳይ እዩ። ኣብ ሃገርና፡ ሓደ ጾታ ዘለዎም ሰባት እውን ንሓድሕዶም ክማራዓዓዉ ይኽእሉ እዮም። ክልቲኦም መጻምዲ እንተውሓደ ዕድሚኦም 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎ።

መርዓ ኣብ በልጅም

  • መርዓ ናጻ ምርጫ እዩ። ኣብ በልጅም፡ ምስቲ ባዕልኹም ዝመረጽክሞ/ማ መጻምዲ ክትምርዓዉ ትኽእሉ። ግዱድ መርዓ – እንተወሓደ ሓደ ካብ ተጻመድቲ ናጽነት ሃልይዎ ብምሉእ ልቡ ዘይሰማማዓሉ ዓይነት መርዓ - ዘይሕጋዊ እዩ።
  • ንኽምርዓዉ ክልቲኦም መጻምዲ እንተውሓደ ዕድሚኦም 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎ።
  • ደቅተባዕትዮን ደቀንስትዮን ክምርዓዉ ይኽእሉ፡ ግን ክልተ ደቀንስትዮ'ውን ንሃድህደን ክመራዓዋ ይኽእላ፡ ወይ ክልተ ደቅተባዕትዮ።
  • ኩሉግዜ መጻምድኻ ዘመድካ እንተኾይኑ(ና) ክትምርዓዉ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ምስ ሓውኻ ወይ ሓፍትኻ፡ ወድ/ጓል ሓትኖ (ኣኮ፡ ኣሞ፡ ሓወቦ)፡ ምስ ኣኮ(ሓወቦ) ወይ ድማ ምስ ሓትኖ (ኣሞ) ምምርዓው ኣይክኣልን እዩ።
  • ሓደ ሰብ መሰል ነባርነት ንኽረክብ ጥራይ ብምሕላን ዝኣትዎ እሞ ምስ መጻምድቱ ዘይነብረሉ ዓይነት መርዓ ናይ ሓሶት መርዓይበሃል። እቲ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ከተማ ሓደ መርዓ ናይ ሓሶት እዩ ኢሉ እንተኣሚኑ ነቲ መርዓ ክነጽጎ ይኽእል እዩ።
  • መርዓ ወግዓዊ ዝኸውን ኣብ ቅድሚ ሕጊ እንተተመርዒኹም ጥራይ እዩ (ሲቪላዊ መርዓ)። መርዓታት ኣብቲ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ይፍጸሙ። ሃይማኖታዊ መርዓ ክህልወኩም ኣይትግደዱን ኢኹም፡ እንተደሊኹም ግን ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።
መርዓ ኣብ ቅድሚ ሕጊ

ብሓባር ምቕማጥ

ኣብ በልጅ ምደቅተባዕትዮን ደቀንስትዮን ከይተመርዓዉ ብሓደ ኽነብሩ፡ ገዛ ክህልዎምን ቆልዑ ክወልዱን ይኽእሉ እዮም። ሓደ ውዕል ምግባር ይክኣል እዩ ምእንቲ እቶም መጻምዲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከም ምርዑዋት ሰባት ሓደ ኦኣይነት መሰላት ክህልዎም። እዚ ውዕል'ዚ ናይ ምሓባር ምቕማት ውዕል'ዩ

ዝምድናታት ኣብ በልጅም

  • ኣብ በልጅም፡ ዝወሓዱ ሰባት ይምርዓዉ ኣለዉ።
  • በልጅማውያን ካብቲ ቅድም ዝነበረ ዝወሓዱ ቆልዑ ይወልዱ ኣለዉ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ናጻ ምርጫ እዩ።
  • ገሊኦም ጽምድታት ይፈላለዩ (ይፋትሑ) ተፈልዮም ምስ ቆም ንማ ይነብሩ።
  • እንተድኣ ሓደ ቆልዑ ዘለውዎ(ዋ) ወላዲ(ት) (ናይ ሓደ ወላዲ ስድራቤት) ምስ ካልእ ወላዲ(ት)ን ደቁን ብሓባር ምንባር ጀሚሮም፡ ንሳቶም ሓደ ሓድስ ዝቖመ ስድራቤት የቑሙ።