መለለዪ መንነት ዝዀኑ ሰነዳትን ኣህጉራዊ ሓለዋን

ከመይ ጌርኩም ሰነዳትኩም ንኽምለሱልኩም ሕቶ ከተቕርቡ ትኽእሉ?

ብቛንቋታት ዳች፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን እንግሊዝን ናብ CGVS/CGRA.classement@ibz.fgov.be ናይ ኢ-መይል መልእኽቲ ስደዱ።

ጠለብካ/ኪ ህጹጽ ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ ጥቐስ/ሲ።

ኣብ ኢ-መይልኩም እንታይ ክትጠቕሱ እዩ ዝግባእ?

ብኽብረትኩም፡ ስለምንታይ መለለዪ መንነትኩም ዝዀኑ ሰነዳትኩም ክምለሱልኩም ትደልዩ ከምዘለኹም ጥቐሱ ኢኹም። ብኽብረትኩም፡ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ኣሰነይቲ ሰነዳት እውን ኣተሓሒዝኩም ልኣኹ።

ወግዓዊ ፍቓድ ዝረኸብኩም ዕቑባት ስደተኛታት ዲኹም? ምምላስ ዓለም-ለኻዊ ፓስፖርት ዝከኣል ዝኸውን፡ ብቑዕ ዝዀነ ምኽንያት ምስእተቕርቡ ጥራይ እዩ። እንተ ደኣ CGVS/CGRA ንዘቕረብኩሞ ምኽንያት ነጺግዎ፡ CGVS/CGRA ተዋሂቡኩም ንዝጸንሐ ኵነተ-ሃለዋት ናይ ዕቑብ ስደተኛ ክስሕቦ ይኽእል እዩ። ብዘይካ መለለዪ መንነት ዝዀኑ ሰነዳት፡ መበቆላዊ ቅዳሕ ዝዀኑ ሰነዳት፡ ብመሰረት ዝቐርብ ጠለብ፡ ክምለሱ ዝከኣል እዩ።

ነዞም ሰነዳት መዓስ ክትእርንብዎም/ክትወስድዎም ትኽእሉ?

ብመገዲ ኢ-መይል፡ መለለዪ መንነት ንዝዀኑ ሰነዳት ክትወስድዎም ዝዕድም መልእኽቲ ክለኣኸልኩም እዩ። እዚ ብዙሕ መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ። እዚ ዓዳሚ ሓበሬታ እዚ ኣበይን መዓስን ብኣካል ክትርከቡ ከምዘለኩም ዝጠቅስ ክኸውን እዩ።

ነቶም ሰነዳት መን ክወስዶም ይኽእል፧

ብኣካል ቀሪብኩም ሰነዳትኩም ከምዝተረከብኩም ብክታምኩም ከተረጋግጹ ይግባእ። ይኹን እምበር፡ ሰነዳት ናይ ትሕቲ-ዕድመ ዝዀኑ ደቅኹም ባዕልኹም ክትርከቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ባዕልኹም ንኽትመጹ ትጽገሙ ዶ? ካልእ ሰብ ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ኣብ ክንዳኹም እትሰድዎ ሰብ ካባኹም ወግዓዊ ውክልና ስልጣን ዝተቐበለ ክኸውን ይግባእ። ውክልና ስልጣን ማለት፡ እቲ ሰብ ንዓኹም ወኪሉ ንሰነዳትኩም ክርከብ ከምዝኽእል ዘረጋግጽ ስነ-ሕጋዊ ጽሑፍ እዩ። እዚ ሰነድ እዚ፡ ስለምንታይ ባዕልኹም ብኣካል ቀሪብኩም ሰነዳትኩም ክትርከቡ ከምዘይከኣልኩም ዝጠቅስ እውን ክኸውን ይግባእ።

መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት ዲኹም? ከም ህጻናት መጠን፡ ንስኹምን ሕጋዊ ኣላዪኹምን ብሓባር ብምዃን፡ ወይ ድማ ንበይንኹም ሰነዳትኩም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።