ማእከል ምቕባል መጻእተኛታት

ኣብ ቤልጂዩም መመልከቲ ዕቝባ ንምቕራብ ምስተመዝገብኩም፡ ኣብ ማእከል ምቕባል መጻእተኛታት ቦታ ክወሃበኩም ዝከኣል እዩ። 

ማእከል ምቕባል መጻእተኛታት ኣብ 'Petit-Château' ናይ ብራስለስ ዝርከብ ኰይኑ፡ ብትካል ፌዳሲል፡ ማለት ቤልጂዩማዊ መንግስታዊ ኣካል፡ እዩ ዝካየድ። 

ኣብ ማእከል ምቕባል መጻእተኛታት ምስኣተኹም፡ ኣብኡ ክትስዕብዎም ብዛዕባ ዝግባእ ቅደም-ተኸተላት ሓበሬታ ዝሓዘ በራሪ ጽሑፍ ክወሃበኩም እዩ። እዚ በራሪ ጽሑፍ እዚ፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተዳለወ እዩ። 

ሰራሕተኛታት ፌዳሲል ንዅነታትኩም ዝምልከቱ ገለ ሕቶታት ከቕርቡልኩም እዩ። ኵነታት ጥዕናኹም ንምፍላጥ ድማ ሕክምናዊ መርመራ ክግበረልኩም እዩ። ሕማም ቲ.ቢ. ማለት ዓባይ ሰዓል ከይህልወኩምን ምፍታሽ ራጂ ክንገብረልኩም ኢና።

መቐበሊ ቦታ

ኣብ ማእከል ምቕባል መጻእተኛታት፡ ሰራሕተኛታት ትካል ፌዳሲል፡ ኣብ እዋን መስርሕ መርመራ ናይ`ቲ ንዕቝባ ብዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲ መቐበሊ ቦታ ንኽወሃበኩም መሰል ከምዘለኩምን ከምዘይብልኩምን ክፍትሹ እዮም። ዝምልከተኩም እንተዀይኑ፡ ትካል ፌዳሲል፡ ኣብ ማእከል ምቕባል መጻእተኛታት፡ ናይ ፈለማ መቐበሊ ቦታ ክህበኩም እዩ። ንግዚኡ ኣብኡ ክትጸንሑ ኢኹም።

ኣብኡ ኣብ እትጸንሑሉ እዋን፡ ኣብ ካልእ መቐበሊ ቦታ ናይ ቤልጂዩም፡ ምስ ኵነታትኩም ዝኸይድ ቦታ ክንረኽበልኩም ኢና።

ከመይ ጌርኩም ናብ ማእከል ምቕባል መጻእተኛታት ክትከዱ ትኽእሉ?

ማእከል ምቕባል መጻእተኛታት ኣብ ማእከል ብራስለስ እዩ ዝርከብ፦ Rue de Passchendaele 2 – 1000 Brussels

ኣብ ቤልጂዩም ንዘለኩም ሃለዋት ብዝምልከት ሕቶ ኣለኩም ዶ?

ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ብዝምልከት ናብ Fedasil Info Point (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል)፡መጺእኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፦ብዛዕባ ስነ-ሕጋዊ ጉዳያት፡ መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም፡ ስራሕ፡ ትምህርትን ስልጠናን፡ ምምሕዳራዊ መስርሓት፡ ናብ ሃገረ-መበቆል ናይ ምምላስ ሓገዝ፡ ሕክምናውን ስነ-ልቦናውን ሓገዝ፡ ከምኡ'ውን ነገራዊ ሓገዝ።

ናብኡ ኬድኩም፡ መቐበሊ ቦታ ንኽወሃበኩም ሕቶ ከተቕርቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ቦታ ንምርካብ ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ናይ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ከምዝምዝገብ ክትገብሩ እዩ ዝግባእ።


Fedasil Info Point (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል)

Fedasil Info Point (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል) ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዉ መዓልትታት - ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 1:00 ድ.ቀ. ክፉት እዩ።
Rue Héger-Bordet 3, 1000 Brussels

ቴሌ.፦ 0800 32 746  (ካብ ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ. ክሳብ 4፡00 ድ.ቀ.)