ሕጋዊ ኵነተ-ነባርነት ዘይብሎም ህጻናት ዘለውወን ስድራ-ቤታት

ሕጋዊ ኵነተ-ነባርነት ዘይብሎም ናኣሽቱ ህጻናት ዘለውወን ስኡናት ስድራ-ቤታት፡ ካብ`ቲ ኣብ`ቲ ዝነብራሉ ቦታ ዝነጥፍ ትካል CPAS/OCMW ሓገዝ ክሓታ ይኽእላ እየን።

ቅድመ-ኵነታት

ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንስድራ-ቤትኩም ዝኸውን ቦታ ንኽወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፤ እንተ ደኣ፦

  • ዕድመ ውላድኩም ትሕቲ 18 ዓመት ኰይኑ
  • ደቅኹም ብዘይ ሕጋዊ ኵነተ-ነባርነት እንተ ሃልዮም
  • ደቅኹም ስኡናት እንተዀይኖም፦ ደቅኹም ንኽትኣልዩ ሓገዝ ዘድልየኩም እንተዀይኑ

ናበይ ኢኹም ክትከዱ?

ናብ`ቲ ኣብ`ቲ እትነብሩሉ ከባቢ ዝነጥፍ ትካል CPAS/OCMW ጠለብ ኣቕርቡ። ትካል CPAS/OCMW ነቶም ቅድመ-ኵነታት ከምዘማላእኩምን ከምዘይኣማላእኩምን ብምፍታሽ፡ ንጠለብኩም ናብ ትካል Fedasilየመሓላልፎ። እዚ መስርሕ እዚ 2 ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል።

ፌዳሲል፡ ኣብ ናይ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን (DVZ/OE) ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ቦታ ክህበኩም እዩ። ወጻኢታት ናይ መግብኹምን መጽለሊ ቦታኹምን መንግስቲ ቤጂዩም እዩ ዝሽፍኖ። ብዛዕባ መጻኢኹም ኰነ መጻኢ ናይ ደቅኹም ንኽትውስኑ ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት ክ(ት)ሕግዘኩም እዩ/ያ።

ነዚ ቦታ ናይ መቐበሊ ኣጋይሽ ክትኣትውዎ ዲኹም ኣይትኣትውዎን - ባዕልኹም ክትውስኑ ትኽእሉ ኢኹም።

ናብ ርጉእ መጻኢ

ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ግዜ ወሲድኩም ርግእ ኢልኩም ንኽትሓስቡ ዕድል ክትረኽቡ ኢኹም። ሰለስተ ኣማራጺታት ኣለዉኹም፥

  • ናብ መበቆል ሃገርኩም ንምምላስ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ኣብ በልጅም ብሕጋዊ መንገዲ ንምንባር ነቶም ስጉምትታት ትወስድዎም።
  • ብሕጋዊ መንገዲ ክትነብርሉ ናብ ትኽእሉ ካልእ ሃገር ጉዕዞኹም ትቕጽሉ።

ኣብ መጻኢ ርጉእ ህይወት ክትመርሑ ምእንቲ ክትክእሉ፡ ብዛዕባ ንዓኹም ኰነ ንስድራ-ቤትኩም ዝሓይሽ ኣማራጺ ብጥንቃቐ ሕሰቡ። ብዛዕባ'ዚ ምስ ናትኩም ማሕበራዊ ሰራሕተኛን ጠበቓን ተዘራረቡ። ንሳቶም ክመኽርኹም ይኽእሉ እዮም።